Wednesday, July 15, 2015

ኣብ ዞባ መቐለ “ትልሚ ዕብየትን ስግግርን” ብዝብል ብገዛኢ ጉጅለ ህወሓት/ኢህወዴግ ዝተፀወዐ ኣኼባ ብዘይ ፈረ ከም ዝተበተነ ተፈሊጡ።



   ከም ሓበሬታ ምንጭታትና  እቲ ኣብ ዞባ መቐለ ኣብ ኣደራሽ ሓወልቲ ሰማእታት፤ ኣብ  ቤት መዘጋጃን፤ ኣዳራሽ ኣግኣዚን ካብ 20 ሰነ  2007 ዓ/ም ክሳብ ሰነ 25 2007ዓ/ም ካብ ኩሎም ሴክተራትን ኣባላት ህወሓትን  ህዝብን ዝተሳተፍዎ ኣኼባ እቲ ከም ኣጀንዳ ተታሒዙ ናብ’ቲ ኣኼባ ዝቐረበ ሕሉፍ ኣፈፃፅማ “ትልሚ ዕብየትን ስግግርን” ዝብል ኮይኑ  በቶም መራሕቲ መድረኽ  ናይ 5 ዓመት ፀብፃብ ድሕሪ ምቕራቡ አብ ሰለቲአን ኣደራሻት ዝነበረ ህዝቢ ብዘይካ ኣባላት ውድብ ካሊእ ብፊሽካ ብምንፋሕ ተቃውምኡ ከም ዝገለፀን እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ሓቢሩ።
   እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ እቲ ኣኼባ ብከንቲባ ከተማ መቐለን ብዶ/ር ገበረዝጊሄርን ከም ዝተመርሐ ድሕሪ ምግላፅ እቲ  በቶም ተሳተፍቲ ዝቐረቡ ናይ ተቓውሞ ሓሳባት “ዕብየት ኣሎ ኢልኩምና ኣበይ ኣሎ፤ ስለ ምንታይ መናእሰይ ካብ ሃገሮም ይስደዱ ኣለዉ?፤ ኣብ ዓዶም ሰሪሖም ንኽነሩር መንገዲ ዘይመዓረረ?፤ ኣብቲ ዝሓለፈ 5 ዓመት ብዙሕ ናይ ስራሕ ስእነት ክንቀርፍ ኢና ኢልኩም ነይርኩም ንምንታይ ዘይተተግበረ?፤ ሰባት ብሰንኪ ፍትሒ ምስኣን ይሳቀዩ አለዉ ዝብሉን ካልኦት ሕቶታትን እንተቀረቡ ‘ኳ በቶም መራሕቲ መድረኽ ግን ዘዕግብ መልሲ ስለ ዘይተውሃቦም ከይተስማምዑ ተበቲኖም  ከም ዝወፁ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።