Monday, July 13, 2015

ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኢትዮጵያ!!



    ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር መለስ ዜናዊ ኣብ 2004 ዓ/ም ምማቶም ስዒቡ ኣብ ሃገርና ዝተተከአ ሓዱሽ ኣመራርሓ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ዝምልከት ምምሕያሻት ከም ዝገብር ትፅቢት ዝተገብረሉ ተስፋ ተደፊኑ ብምትራፉ ዝኾነ ናይ ፖሊሲ ለውጢ ከመፅእ ኣይከአለን።
    ሰበ-ስልጣናት ስርዓት ኢህወደግ ብነፃ ሓሳብካ ናይ ምግላፅ፤ ናይ ምውዳብን ብሰላም ናይ ምእካብን ናፅነት ዝአገድዎ ፅኑዕ ውሳነ ሕዝውን ይቕፅልሉ ብምህላወም ሲቪል ማሕበራትን ናፃ ናይ መራኸብቲ ሓፋሽ ምንቅስቓስን ንምጥፋእ ዓፈንቲ ሕግታት እናተጠቕሙ ይርከቡ ጥራይ ዘይኮነስ ክሳብ ንውልቀሰባት’ውን እንተኾነ ፖለቲካዊ መበገሲ ዘለዎም ክስታት እናፈጠሩ ናይ ጥቕዓት ዕላማ እናገበርዎም ይርከቡ።
    ስርዓት ወያነ ኢህወደግ አብመንጎ ዝተፈላለዩ ተቓወምቲ ውድባት ዘካይዶ ዘሎ ኢድ ኣእታውንውት ዝተቓወሙ ንፁሃን ወገናትና ብሓይልታት ፀጥታ ክእሰሩ፤ ክጭወዩ፤ ክቕጥቀጡን ክቕተሉን ኣብ ልዕሊኦም ኢ-ሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ክካየደሎምን ገይሩ’ዩ፣ ኩነታት ፍርዲ ዝተአሰሩ ኣባላትን መራሕትን ተቓወምቲ ከይዲ ፍርዶም ንህዝቢ፤ ንመራኸብቲ ሓፋሽን ቤተሰቦምን ብጋህዲ ክንገር ኣይተገብረን፣ ኣዝዩ ግልፅ ብዘይኮነ መንገድን መሰረታዊ ዝኾነ ጌጋታት ብዝወነነ ናይ ሃገርና ናይ ፀረ ራዕደኛታት ሕጊ ገበን ፈፂምኩም ንዝተበሃሉ መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባትን ጋዜጠኛታትን ሕዚ’ውን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ክሳቐዩ እናተገብረ’ዩ።  
    ካብ ውሽጢ ሃገር ካብ ዝርከብ ኣታውን ካብ ደገ ብዝመፅእ ሃገዝን ኣዝዮም ሰፋሕቲ ብዝኾኑ ናይ ልምዓት ኣፈፃፅማ ፕሮግራማት ምኽንያት ናይ ዝተፈላለዩ ማሕበረሰብ ተወለድቲ ብዘይ ብቁዕ ዘተን ምንም ዓይነት ካሕሳን እንከይተኸፍሎም ካብ መንበሪኦም ክፈናቐሉ ኣብ ልዕሊ ምግባሮም ኣባላት ፀጥታ ንነበርቲ ካብ ዝዓበይሉ መረበቶም ኣልዒሎም ናብ ካልእ ቦታ ክግዕዙ ንምግባር ኣብ ልዕሊኦም ሓይልን ምፍርራሕን የካይዱ ምህላዎም ኩሉ ህዝብና ዝፈልጦ ጉዳይ’ዩ።
   ናይ ምእካብ ናፅነት ኣብ ዝምልከት ካብ ናይ ሃገርና ጠቕላላ ህዝቢ እንተነአሰ 30 ሚኢታዊ ከም ዝኾነ ዝግመት ኢትዮጵያውያን ሙስሊም ማሕበረሰብ ብተደጋጋሚ ህዝባዊ ዓመፃት ምግባሮምን መንግስቲ ነዚ ናይ ተቓውሞ ምንቅስቓሳት ንምዕጋት  ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ሓይሊ ዝተሓወሶ ናይ ዓይኒ ዑሙተይ ማእሰርትን መግረፍትን ሕዚ’ውን ይቕፀለሉ ከምዘሎ ዝፍለጥ ጉዳይ’ዩ።
    ስርዓት ኢህወደግ ብመሰረት ዘፅደቖ ኣዋጅ ሕጊ ፀረ ግብረ ሽበራ ናይ ጠቐነ ክሲ ኣብ ልዕሊ ዝተመስረቶም መራሕቲ ተቓወምቲ ከቢድ ግፍዒ ተፈፂሙ’ዩ። እዚ ፀረ ህዝቢ ተግባር ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ንከይድ’ቲ ዝተወሃበ ፍርዲ በመረኸብቲ ሓፋሽ፤ ዲፕሎማት፤ ንኣባላት ስድራ ብዱላት ሓዊሱ ጠቕላላ ህዝቢ ንኸይከታተሎ ዕፁው ብምግባር ነዞም ንፁሃን ወገናት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ብምእታው ኣብ ልዕሊኦም ስብኣውነት ዘይብሉ በደል ይፍፅም ኣሎ።
    እዞም ንፁሃን ወገናት ጠበቓ ዝኾኑዎም ኣካላት ንኽስእኑን ምስ ቤተሰቦም ንከይራኸቡን ዝግበር ዘሎ ሽርሕታትን ብሓፈሻ ድማ ከይዲ ፍርዲ ኣብ ሕጊ ብዝተቐመጡ ኣገባባት ንኸይኽተሉ ኣብ ሕቶ ዘእትው ኣዝዮም ብርክት ዝበሉ ፀገማት ዝፍፀምሉ ኩነታት እዩ ዘሎ። ኣብ ልዕሊ ተኸሰስቲ ብናይ መንግስቲ ቴሌቪዥን ናይ ውንጀላ ክሲ ዘለዎ መረዳእታ ብምምሕልላፍን ንተከሰስቲ ቅድሚ ናይ ፍርዲ ውሳነ ምሃብ መሰሎም ብዝዳፋእ መንገዲ ክፍፀም ምግባርን ገዛኢ መንግስቲ ሙሉእ ብሙሉእ ብዝቆፃፀሮ ቴሌቪዥን /ጅሃዳዊ/ ሃረካት ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ፊልም ብምምሕልላፍ ከይዲ ፍርዲ ተኸሰስቲ ቅድሚ ምጅማሩ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር እናሃለው ዝተቐነባበረ ምድላው ንኽርአ ምግባሩን ካብዚ ብምብጋስ ድማ ነቲ ፕሮግራም ንዝተቓወሙ መራሕቲ ተቓወምቲ ከም ኣሸበርቲ ገይርካ ብምውሳድ ንምንቅስቓስ ተቃውሞ ሙስሊም ማሕበረሰብ ምስ ሓይልታት አኽረርቲ እናመሳሰልካ ኣብ ልዕሊኦም ዓብይ ግፍዕን በደልን ክበፅሕ ተገይሩ’ዩ።
    ንምጥቕላል!- ኣብ ሃገርና ዘሎ ጉዳይ ሰብአዊ መሰል ከም መንግስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ስርዓት ኢህወዴግ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ ግዜ ምንም ዓይነት ምምሕያሽ እንከየርአየ ን24 ዓመታት ዝአክል ፀረ ዴሞክራሲያዊ ባህርያቱ ካብ እዋን ናብ እዋን ተጠናኺሩ ዝኽደሉ ኩነታት ከም ዘሎ ፈሊጥና። ሒዝናዮ ዘለና መንገዲ ቃልሲ ኣጠናኺርና ክንቅፅለሉ ይግባእ።