Monday, July 13, 2015

ኣብ ክልል ህዝብታት ደቡብ ዝነብር ህዝቢ ብሰንኪ ምቁርራፅ ሓይሊ መብራህቲ ተሸጊሩ ከም ዘሎ ምንጭታትና ካብ’ቲ ከባቢ ገሊፆም።



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና፣ ኣብ ክልል ህዝብታት ደቡብ ዞባ ከምባታ ከተማ ዱራሜ ዝነብር ህዝቢ ብሕፅረት ሓይሊ መብራህቲ ይሽገር ከም ዘሎ ድሕሪ ምግላፅ ኣብ ከተማ ዱራሜ ብፍላይ ካብ 25 ሰነ 2007 ዓ/ም ጀሚሩ ናይ መብራህቲ ኣገልግሎት ስለ ዘየለ ህዝቢ ዕለታዊ መነባብርኡ ከሳልጥ ከም ዘይካኣለ ብፍላይ ሰብ ሆቴላትን ኣብያተ ቁርስን ዝኾኑ ነጋዶ ካብ ምምሕዳር ፍታሕ ብምስኣኖም ትካላቶም ከም ዝዓፀዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዝገለፆ እቲ ምምሕዳር ግና ነቲ ሕቶ ዘልዓሉ ነበርቲ እቲ መስመር መብራህቲ መንነቶም ብዘይተፈለጡ ሰባት ከም ዝተበላሸወ ተረድእኹም ንዝተወሰነ ተዓገሱና እናበለ ብዘይ ሓደ ለዉጢ ኣዋርሕ ኣቖፂሩ ስለ ዘሎ በዚ ዘይሓላፍነታዊ ተግባር ተስፋ ዝሰኣኑ ነበርቲ ን8 ሓምለ 2007ዓ/ም ሰለማዊ ሰልፊ ንምግባር ኣብ ምድላዉ ከም ዝርከቡ ተገሊፁ።