ኣብ መቱ ዩኒቨርሲቲ ክማሃሩ ፀኒሖም ኣብ'ዚ ዓመት ትምህርቶም ካብ ዘጠናቐቑ
እቶም ልዕሊ 50 ዝኾኑ ተማሃሮ ብፖለቲካ ኣራእያኦምን ኣብ መረፃ ንተቓወምቲ ውድባት መሪፅኩም ብዝብልን ከይምረቑ ከም ዝተኸልከሉ ዝገለፀ እቲ
ሓበሬታ እቶም ተማሃሮ ብወገኖም ነቲ እገዳ ክልዓለሎም ናብ ዝምልከቶም ሓለፍቲ ክፍሊ ትምህርቲ ከይዶም ዘቕረብዎ ጥርዓን ውፅኢት ክረኽቡሉ ከም ዘይከኣሉ ተፈሊጡ።
ሰበ ስልጣን እቲ ስርዓት ዝኾነ ወልቀ ሰብ ምስ ዝመሰሎ ውድብ ኮይኑ ብሰላማዊ መንገዲ ክቃለስን ክመርፅን
ብሕገ መንግስቲ ፍቑድ እዩ እናበሉ ኣብ ሚድያታቶም ዝዛረቡ እኳ እንተኾኑ ኣብ ተግባር መፂኻ ግን ብኣንፃሩ እዩ ክብሉ ብዙሓት ምሁራት
ሃገርና ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከቡ ይፈለጥ።