Monday, August 31, 2015

ኣብ ዞባ ሰሜን ሽዋ ወረዳ መራኛ ዝርከብ ጌታቸዉ ዝተብሃለ መምህር መረረትካ ብሬድዮ ጣብያ ጀርመን ፕሮግራም ኣማርኛ ኣቢልካ ኣመሓላልፍካ ብዝብል ከም ዝተሰረ ተገሊፁ።



ብዝበፀሓና ሓበሬታ መሰረት ሰነ 2007 ዓ.ም ኣብ'ዛ ሃገር ዉሽጢ ዘየለ ሽግር ኣሎ ኢልካ ኣመሓላልፍካ ብዝብል ምኽንያት ብ4 ነሓሰ 2007 ዓ.ም ካብ መንበሪ ገዝኡ ተወሲዱ ከም ዝተኣሰረ ተፈሊጡ።
ኣብ ዞባ ሰሜን ሽዋ ወረዳ መራኛ ዝርከብ ሕብረተሰብ እቲ ዉልቀ ሰብ ንምንታይ ይእሰር ብዝብል ሰላማዊ ሰልፊ ዋላ እንተገበረ ስማዒ ኣካል ከም ዘይረኸበ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረድኡ።