ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ክካየድ ዝቕነየ ጉባኤ
ኢህወዴግ ዝተረኸቡ ላዕለዎት ሰበ ስልጣንን ካልኦት ተሳተፍትን እቲ ጉባኤ ፋምፍሌት ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ
ጎደናታት ከተማ መቐለ ከም ዝተዘርግሐ ምስ ፈለጡ ኣዝዮም ምስንባዶም ስዒቡ ክሳብ እቲ ጉባኤ ዝጠቓለል ድማ ናይ ፌደራልን ክልልን
ፖላዊስ ተዋፊሮም ነታ ከተማ ከቢቦማ ምቕናዮም ተፈሊጡ።
እቲ ፋምፍሌት ብዕዉት መንገዲ ተዘርጊሑ ህዝቢ
ኣድላይ ዘበለ ናይ ቃልሲ ምንቅስቓስ ንኽገብርን ብዛዕባ ዴምህት ተወሳኺ እኹል መረዳእታ ንኽረክብን ዘኽኣለ እንትኾን ንሰበ ስልጣን
ኢህወዴግ ድማ ኣብ ከቢድ ጭንቅን ራዕድን ወዲቖም ናይ ዓቕሊ ፅበት ስጉምቲ ክወስዱ ዝገብረ ከም ዝኾነ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።
