Wednesday, September 9, 2015

ኣባላት ምክልኻል ሰራዊት ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ንኣባይ ግድብ ዝውዕል ገንዘብ ከዋፅኡ ንዝቐረበሎም መፀወዕታ ከም ዝነፀግዎ ምንጭታትና ካብ ውሽጢ እቲ ምክልኻል ገሊፆም።



   ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ከም ብሓዱሽ ንግድብ ኣባይ መስርሒ ዝኸውን ብዝብል ገንዘብ ከዋፅኡ ብመራሕቶም ዝቐረበሎም መፀዋዕታ ኣይንቕበሎን ምባሎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ነቲ ዝቐረበ  መፀዋዕታ ክነፅግዎ ዝኸኣሉ ድማ “ኣብ ዝሓለፉ  ግዜያት በተደጋጋሚ ናይ ዝኸፈልናዮ ገንዝብ ቦንድ ክዋሃበኩም እዩ ተባሂልና ዛጊት ስለ ዘይተተግበረ  ኣይንኸፍልን”  ከም ዝበሉ  ተፈሊጡ።
    ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ምስቲ ኣብ ዉሽጢ ሰራዊት ኣጋጥምዎም ዘሎ ምብትታን ነዚ ንግድብ ኣባይ ገንዘብ ንዘይ ምኽፋል እምቢታ ብኸመይ  ንስራዊት ክነእምኖ ንኽእል ብምባል ኣብ ከቢድ ወጥሪ ተሸሚሞም ከም ዝርከቡ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።