እዞም ኣርባዕተ ዉድባት ንብዙሕ ዓመታት ናይ
ሓቢርካ ምቅላስ ድሌቶም ዕንቅፋት ዝኾነ ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ናይ ከፋፊልካ ግዛእ ሽርሒ በጣጢሶም እዚ ሎሚ ብጥምረት ዝተጀመረ
ምትሕብባር እናዓበየ ከይዱ ኣብ ሓፂር ግዜ ዉሽጢ ናብ ዉህደት ክዓቢ ምዃኑ ድሕሪ ምግላፅ ብተወሳኺ እቲ ምንቅስቓስ ምስ ካልኦት
ዴሞክራስያዊ ስርዓት ንምምስራት ምስ ዝቃለሱ ኢትዮጵያዉያን ዉድባት ተሓባቢሩ ንምስራሕ ዝገብሮ ምንቅስቓስ ኣጠናኺሩ ክደፍኣሉ ምዃኑ
ገሊፁ።
በዚ መሰረት፦
1)
ዴምክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ
2)
ናይ ሓባር ምንቅስቓስ ዉድባት ዓፋር
3)
ምንቅስቓስ ዴምክራስያዊ ሓይሊ ኣማራ
4)
ሃርበኛ ግንቦት 7 ምንቅስቓስ ንሓድነትን ዴሞክራስን
ብዴሞክራሲ ናይ ሓባር ምንቅስቓስ ኣድሕን ኢትዮጵያ ብሓፂሩ
"ምንቅስቓስ ሃገር ኣድሕን"
ዝብሃል ዉድብ ሎሚ ኣብ ሓዱሽ ዓመት መኽፈቲ ጳጉሜን 3/2007 ዓ.ም ፈጢሩ ናይ'ቲ ምንቅስቓስ ቤት ምኽሪ ኣፈፃሚ ስራሕ
ኮሚቴ ዝተፈላለዩ መምርሕታት ካብ ምዉፃእ ስጊሩ ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ ኣቦመንበር ተጋደላይ ሞላ ኣስገዶም ምክትል ኣቦ መንበር ገይሩ
መሪፁ ኣሎ።
ብዴሞክራሲ
ናይ ሓባር ምንቅስቓስ ኣድሕን ኢትዮጵያ ካብ ኣርባዕትኡ ኣባል ዉድባት ዝተዉፃእፅኡ "ኣድሕን ሃገር ሰራዊት" ኣቚሙ
ኣሎ፣ እዙይ ኣድሕን ሃገር ሰራዊት ምምስራቱ ብጳጉሜን 3/2007 ዓ.ም ኣብ ዘዉፅኦ መግለፂ እንተፍልጥ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ
ጎኑ ጠጠዉ ክብል ፃዉዔት ዝገበረ ኮይኑ።
ብፍላይ ከኣ ንሓረስታይ ኢትዮጵያ፤ ንመንእሰይ፤
ኣብ ዉሽጥን ወፃእን ንህንፀት ዴሞክራስያዊ ስርዓት ዝቃለሱ ዉድባት፤ ንምሁራት፤ ንኣባላት ህወሓት/ኢህወዴግ፤ ሰራዊት ምክልኻል፤
ካልኦት ዘይተጠቐሱ ኣካላትን ዝቃለሰሉ ዘሎ ዓላማ ሃገርና ኢትዮጵያ ፍትሒ፤ ሰላምን ማዕርነትን ዝሰፈና ንኽትከዉን እዩ እሞ ዝኸኣልካ
ኣብ ናይ ቃልሲ ሜዳ ተረኺብካ ብጉልበትካ ነዚ ክትገብር ዘይትኽእል
ድማ ብገንዘብካን ብፍልጠትካን ነዚ ምስ ፀላኢ ዝግበር ምትሕንናቕ ኣደላይ ዝኾነ ሓበሬታ ብምሃብ ኣብ'ቲ ቃልሲ ተሓወስ ክብል "ምንቅስቓስ ሃገር ኣድሕን" ፀዊዑ።