ብኣቕራቢነት ጠቐላይ ሚንስተር ገዛኢ ስርዓት
ኢህወዴግ ሃለማርያም ደሳለኝ ብመፅደቓይነት ህዝባዊ ዉክልና ዘይብሉ "ቤት ምኽሪ ተወከልቲ" ብ23 መስከረም
2008 ዓ.ም ዝተወሃበ ሽመት 30 ካብኔ ሚኒስተራት ስራሕን ሞያን ዘየራኸበ፣ ረብሓ ህዝባዉን ሃገራዉን ዘየቐደመ ኣብ
ስልጣን ንዘሎ ገዛኢ ጉጅለ ኢህወደግ ንፖለቲካዊ ረብሕኡ ብምትኳር ጥራሕ ናይ ወንበረ ምቅይያር ዝተረኣየሉ ምስሉይን ኣሰልቻዉን ከም
ዝኾነ ፍሉጣት ምሁራት ፖለቲካ ሃገርና ንሚድያታት ኣብ ዝሃብዎ ሓሳብ ኣረዲኦም።
ኣስዒቦም እዞም ርኢቶ ወሃብቲ ምሁራት ፖለቲካ ካብኔ ሚንስተራት ደም ሱር ሓንቲ
ሃገር ከም ምዃኖም መጠን ነቲ ብሚኒስተርነት ዝመርሕዎ ጨንፈር ዝምጥን ዝበሰለ ትምህርታዊ ሞያን ፍቱን ዓቕምን ምህላዎም ብምርግጋፅ
እምበር ከም'ቲ ኢህወዴግ ገይርዎ ዘሎ ፖለቲካዊ መለክዒ ቀዳምነት ገይርካ ሽመት ምሃብ ዕቤት ኢኮኖሚ ክመፅእ ስለ ዘይኽእል ሃገርን
ህዝብን ዝደቁስ ዘይሓላፍነታዊ ተግባር ከም ዝኾነ ኣገንዚቦም።