Monday, October 12, 2015

ካብ መምህራን ዩኒቨርሲቲ ኣርባ ምንጭ ብገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ዝተዳለወ ፖለቲካዊ ስልጠና ንምስታፍ ፍቓደኛ ዘይኮኑ ደሞዞም ከይወስዱ ምእጋዶም ተገሊፁ።



ኣብ ሓዱሽ ዓመት 2008 ዓ.ም ብገዛኢ ስርዓት ዝተዳለወ ፖለቲካዊ ስልጠና ንምስታፍ ፍቓደኛ ዘይኮኑ መምህራን ዩኒቨርሲቲ ኣርባ ምንጭ ደሞዝ ከይኽፈሎም ብምእጋዱ ዝበልዕዎን ናይ ዝነብርሉ ክራይ ገዛ መኽፈልን ስኢኖም ከም ዝተሸገሩ ንግዳያት መሰረት ብምግባር ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ኣብቲ ኣኼባ ዝተረኸቡ ኣጫፈርቲ ገዛኢ ዉድብ ዝኾኑ መምህራን ደሞዞም እናተኸፈሎም ብተወሳኺ ካብ ባጀት መንግስቲ ልዕሊ ዓቐን ኣበል ተኸፊሎም ዕቤት ስራሕን ናብ ዝመረፅዎ ቦታ ዝዉዉርን ዝግበረሎም እንትኾን፣ ነቶም ዘይተሳተፉ መምህራን ግና ብካድረታት እቲ ስርዓት ከም ፀላእቲ ተቖፂሮም ምኽንያታት ፈጢሮም ደሞዘም ብምኽላእ ሞራሎም ክትንከፉ ኣብ ምግባር ተፀሚዶም ምህላዎም እቲ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
ብተመሳሳሊ መምህራን ዩኒቨርሲቲ ኣዋሳ ኣብቲ ብኢህወዴግ ዝተዳለወ ፖለቲካዊ ስልጠና ምእንቲ ክሳተፉ ተባሂሉ ካብታ ከተማ ወፃኢ ከይንቀሳቐሱ ስለ ዝተኣገዱ። ኣብቲ ኣኼባ ክሳተፉ ፍቓደኛታት ዘይኮኑ መምህራን መረረቶም  ከም ዝገለፁ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።