ብመሰረት ‘ቲ ሓበሬታ ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ጎንደር ንሰብ ውልቀ ሃፍቲ ቤተ እስራኤላውያን ዝኾኑ
ኢንቨስተራት ዝውሃብ መሬት ሰብ ስልጣን ኣብ ኣፈፃፅማ ብጉቦን ኣድልዎን ይትግበርዎ ምህላዎም ድሕሪ ምግላፅ ጉቦ ዘይሃቡ ሰብ ወልቀ ሃፍቲ ግና ግዳይ ድኻምን ገልታዕታዕን
ይኾኑ ምህላዎም ተፈሊጡ።
እዞም ሰበ
ስልጣን እታ ከተማ ዝፍፅምዎ ዘለዉ ግዕዝይና ካብ እዋን ናብ እዋን ናብ ዝኸፍአ ገፁ የምርሕ ስለ ዘሎ ነበርቲ ጥርዓኖም
የቕርቡ ከም ዘለዉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ብፍላይ ህዝቢ ብሄረ ሰብ ቅማንት
በቲ ስርዓት ተደጋጋሚ በደላት ይወርዶ ስለ ዘሎ ተቓውሞ ከሰምዕ
ምፅንሑ ይፍለጥ።