ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ኣብ ምክልኻል ሰራዊት ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ዝርከባ መሳርዕን ጋንታትን ብዝተፈላለየ
ምኽንያት ብሓይሊ ሰበን እናተመናመና ይኸዳ ምህላውን ድሕሪ ምግላፅ
ሓለፍቲ እቲ ምክልኻል ስራዊት ኣሃዱታት ንምምላእ ብዝብል ካብ 4ይ ክፍሊ ክሳብ 10ይ ክፍሊ ንዘለዉ ተምሃሮ ናብ ውትህድርና ክኽተቡ
ምልክታ ዋላ'ኳ እንተወፅኡ ክሰልጦም ስለ ዘይከኣለ ኣብ ገለ ገለ ክልላት መንእስያት ኣገዲዶም ናብ ውትህድርና ንኽኣትዉ መምርሒ ኣውሪዶም ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።
እቲ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ ምኽንያት መመናመኒ ናይተን ኣሃዱታት ብመጀመርያ
ኣብ እዋን ምዝገባ ዝንገሮም መብፅዓ ኣብ'ቲ ሰራዊት ውሽጢ ምስተወዝዑ እቲ መብፀዓ ስለ ዘይትግበር፤ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰራዊት ዝወርድ በደላት፤ ካልእ ብጥቕማ ጥቕማን ኣድልዎን ስለ ዝበዝሕ ዝረኸብናዮ ረብሓ የለን ብምባል መሳርዖም ራሕርሖም
ከም ዝጠፍኡ ተገሊፁ።