ኣብ
ክልል ኦሮምያ ከተማ ነቀምቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወለጋ ዝማሃሩ ተማሃሮ ዝበዝሕ ግዜ ትምህርቶም ኣብ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ገዛኢ ዉድብ
ኢህወዴግ ክባኽን ይግበር ከም ዘሎ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ነዚ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ገዛኢ ዉድብ ዝተቓወሙ ብርክት ዝበሉ ተማሃሮ ድማ
ፀረ ልምዓት መንግስቲ እናተብሃሉ ብኣባላት ፀጥታ ተዓፊኖም ብምውሳድ ሃለዋቶም ይጠፍኡ ምህላዎም ኣብቲ ቦታ ዝርከቡ ምንጭታትና ኣገንዚቦም።
ካብ'ቶም
ንፖለቲካዊ ትምህርቲ ኢህወዴግ ብምቅዋሞም ተዓፊኖም ተወሲዶም ሃለዋቶም ዝጠፍኡ ተማሃሮ ሓደ ታረቀኝ ዝተብሃለ ናይ 5ይ ዓመት ተማሃራይ
ምህንድስና ዲፓርትመን እንትኾን እቶም መማህርቱ ተማሃሮ ሃለዋቱ ንምፍላጥ ናብ ምምሕዳር እቲ ዩኒቨርሲቲን እታ ከተማን ኣብ ዝሓተትሉ
ንግዝኡ ኣሲርና ፈትሕናዮ ዝብል ምስሉይ መልሲ እኳ እንተ ተውሃቦም ክሳብ ሕዚ ሃለዋቱ ከም ዘይተፈለጠ ምንጭታትና ወሲኾም ገሊፆም።