Friday, November 27, 2015

ኣብ መቱ ዩኒቨርሲቲ ካብ ዝምሃሩ ተማሃሮ ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ብዘዋፈሮም ዕጡቛት ተቐቲሎም ይድብረዩ ከም ዘለዉ ተገሊፁ።



ኣብ ክልል ኦሮሚያ መቱ ዩኒቨርሲቲ ዝማሃሩ ተማሃሮ ንግዕዙይን ፀረ ህዝብን ምሕደራ ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ብምቅዋም ዝተፈላለዩ ሕቶታት እናልዓሉ ንሰበ ስልጣን ገዛኢ ጉጅለ ከም ዘጨንቕዎም ዘለዉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ነዚ ከምዚ ዝኣምሰለ ተቓዉሞ የለዓዕሉ ዝበለዎም ተማሃሮ ፀልማት ጉልባብ ብምግባር ክቕተሉ ይገብሩ ምህላዎም ኣብቲ ቦታ ዝርከቡ ምንጭታትና ካብ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ከም መቐፀልታ እቲ እከይ ግብሮም ከዓ ቴሬሳ ሰሬሳ ንዝተብሃለ ተማሃራይ ናይ'ቲ ዩኒቨርሲቲ ካድረታትን ፖላዊስን እቲ ገዛኢ ስርዓት ደጋፍን ተሓባባርን ተቓወምቲ ዉድባት ስለ ዝኾነ ተማሃሮ የለዓዕል ኣሎ ብምባል ክደሊይዎ ድሕሪ ምፅናሕ ብ20 ጥቅምቲ 2008 ዓ.ም ብለይቲ ብምቕታል ተደርብዩ ምስ ተረኸበ ማሕበረሰብ እቲ ዩኒቨርሲቲ ብዕጡቛት እቲ ስርዓት እዩ ተቐቲሉ ኣብ ምባል ከም ዝርከቡ ተገሊፁ።