Monday, May 16, 2016

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ወፃኢ ጉዳይ ሚኒስተር ስቴት ዲፓርትመንት ኣብ ኢትዩጵያ ንዝረአ ዘሎ ጥሕሰት ሰብኢ መሰል ብዝምልከት ሓዱሽ ፀብፃብ ከም ዘውፀአ ኣፍሊጡ።



እቲ ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ ፣ናይቲ ዲፓርትመንት ፀሓፊ ዝኮኑ ጆን ኤፍ ኬር ብመንግስቲ ኢትዩጵያ ኣብ ልዕሊ ስቪል ሕብረተሰብ ዝገብሮ ዘሎ ተፅዕኖታት እናበርተዐ ምምፅኡን ናይ መራኸብቲ ሓፋሽን ናይ ኢንተርኔት ኣገልግሎትን ናይ ምጥቃም መሰል ብምፅባቡን ከምኡ እውን ናይ ተቓወምቲ ድምፅታት ብምዕፋን ፣ዜጋታት ምቕታልን ካብ ሃገሮም ተገዲዶም ክወፁ ጠንቂ ከም ዝኾነ ኣፍሊጡ።

እቲ ፀብፃብ ወሲኹ ከም ዘርዶኦ ኣብ ኢትዩጵያ ኣባል ናይ ተቓወምቲ ፖሎቲካ ፓርትታት ዝኾኑን ንጋዜጠኛታት ምፍርራሕ ምእሳር ፣ኣብ ልዕሊኦም መግረፍትን ስቓይን ካብዚ ሓሊፉ ድማ ብዘይ ምኽንያት ምቕታልን ካልእ ብናይቲ መንግስቲ ናይ ፀፅታ ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰል ይፍፅሞ ከም ዘሎ እቲ ዝተረኸበ ፀብፃብ ወሲኹ ኣገንዚቡ።



No comments:

Post a Comment