Saturday, May 21, 2016

ኣብ ዩኒቨርስቲ ሃረማያ ዝርከቡ ተምሃሮ ብሓይልታት ፀጥታ እቲ ስርዓት ይዕፈኑ ከም ዘለዉ ይግለፅ ኣሎ።



ብመሰረት እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፣ ኣብ ሃረማያ ዩኒቨርስቲ ዝርከቡ ተማሃሮ፣  ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ብሓይልታት ፀጥትኡ ኣዋፊሩ ይጨዉዮም ከም ዘሎ ድሕሪ ምግላፅ፣ ኣብዚ ቅንያት እዚ እቶም ኣብቲ ዩኒቨርስቲ ዝርከቡ ተማሃሮ ናይ ምግቢ ምሕሳም ኣድማ ዘካየዱ ኮይኖም፣ ነዚ ሲዒቡ ድማ 5ተ ዝኾኑ ንግዚኡ ኣስማቶም ዘይተፈለጡ ተማሃሮ እቶም ዕጡቛት ካብቲ ግቢ ኣዉፂኦም ብምዉሳድ ክሳብ ሕዚ ኣበይ ከም ዘለዉ ዝፍለጥ ነገር ከም ዘየለ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።  
ምኽንያት መእሰሪ ናይቶም ተምሃሮ ዝተገለፀ ነገር እኳ እንተዘይሃለወ፣ ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ከይሃለዎ ከም ዘይተርፍን ምስ ናይ ቅድሚ ሕዚ ዝተገብረ ናይ ተቓዉሞ ምንቅስቓስ ርክብ ክህልዎም ይኽእል እዩ ተባሂሎም ተጠርጢሮም ተኣሲሮም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ቡዙሓት ወገናት ኣብ ምግላ ከም ዝርከቡ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ኣብ ሃረማያ ዩኒቨርሲቲ ካብ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ ይቕፅል ዘሎ ተቓዉሞ ንግዚኡ ዝዘሓለ ይመስል እኳ እንተነበረ ኣብዚ ሕዚ ወቕቲ ድማ ኣብ ዉሽጢ እቲ ግቢ ብርክት ዝበሉ ምክልኻል ሰራዊት ተዋፊሮም ከም ዝርከቡን ኣብዚ ሕዚ ናይ ሲሚስተር ፈተና እናተቓረበ ኣብ ዝመፀሉ ዘሎ እዋን ምክልኻል ሰራዊት ገለ ተማሃሮ ይዕፈኑ ብምህላዎም  ናይቲ ዩኒቨርስት ተማሃሮ ኣብ ከቢድ ስግኣት ወዲቖም ከም ዘለዉ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

No comments:

Post a Comment