Friday, January 30, 2015

ዕላማ መበል 40 ዓመት ልደት ህወሓትን ናይ ተንኮል ምድላዋቱን!!



     አብ ዝሕዚ እዋን መራሕቲ ህወሓት ብህዝቢ ትግራይ ዝነበሮም እምነት እዝዩ ተፀንቂቑ ብምሒር ፅልኣት ከም ምራቕ ዝተተፍእሉ ኩነታት ስለ ዘሎ የዳልውዎ ኣብ ዘለው በዓል መወዳኣታ ዘይብሎም ናይ ሓሶት ድርሳናት ፅሒፎም ንህዝቢ ብፎቶግራፍ፤ ብፊልሚ፤ ግብዣን ዘኣምሰሉ ጎስጓሳት አሰንዮም ብምድንጋር ናይ ህዝቢ ኣንፈት ኣስሒቶም ዕድመ ስልጣኖም ንምንዋሕን ከም ልማዶም ንህዝቢ ትግራይ አብ ረብሐኦም ንምዎዓልን ተሓሲቡ ዝካየድ ዘሎ መሰሪ ተንኮል ምዃኑ ዝኾነ ዜጋ ዝስሕቶ አይኮነን።
    ብኻሊእ ገፅ ድማ እቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት ንኽካየድ ተሓሲቡ ዘሎ ምስሉይ ሃገራዊ መረፃ ስግአት ስለ ዝፈጠረሎም በዚ በዓል’ዚ ኣመኽኒዮም መረፃ ዝምልከት ጎስጓስ ንምክያድን ብፍላይ ነቲ መንእሰይ ሓይሊ ብዘይጭበጥ ተስፋ ኣብ ጎኖም ጠጠው ንኽብል ዝኣለምዎ ዝኸሰረ ሜላ ምኻኑ’ውን ግልፂ’ዩ።
    ህዝቢ ኢትዮጵያ ንስርዓት ደርግ ምእላይ ጥራይ ከም እንኮ መፍትሒ ገይሩ ይወስዶ ነይሩ እምበር ለካቲት 11 ቅድም ንዝነበሩ ገዛእቲ ነቒላ ካልኦት ዓመፅቲ ክትክእ’ያ ዝብል ኣተሓሳስባ ኣይነበሮን፣ እንተኾነ እቲ ፍፃመ ግን ንሱ ኮይኑ ቐርዩ።
   ለካቲት ዓሰርተ ሓደ ሓደራ ህዝቢ ክተኽብር ኣይከኣለትን ኢሉ ተቓውምኡ ዘቕረበ ህዝቢ ክእሰርን ሃገር ገዲፉ ንኽስደድን ተገይሩ’ዩ። ከምቲ ናይቲ ህዝቢ ኣዘራርባ እዚ ኹሉ መንእሰይ ንኽብሪ ለካቲት ዓሰርተ ሓደ ክብል መስዋእቲ ከፊሉ ከብቅዕ ሰብ ግዜ ሹመኛታት ነቲ ስልጣን ምቁፅፃሮም ናይቲ ቃልሲ መወዳእታ ደመ ከልብ ኮይኑ ቐርዩ ጥራይ ዘይኮነስ ደቅና ካብ ምሃብን መስዋእትነት ካብ ምኽፋልን ዝሓለፈ ዝረኸብናዮ ጥቕምን ረብሓ ከም ዘየለን ለካቲት 11 ነዚ ኹሉ መንእሰይ በሊዓ መራጋገፂ ጥቕሚ ውሕዳት ኮይና ምትራፋ ናይ በደል በደል’ዩ ብምባል ህዝብና ክዛረበሉ ፀኒሑን ኣሎን።
    ተስፋ ህዝቢ ኢትዮጵያ መበል 40 ዓመት በዓል ህወሓት እንትኽበር ካብ ናይ ስርዓት ደርግ ፀረ ዴሞክራሲያዊ ኣገዛዝአ ወፂና ብናይ ባዕልና ተሳትፎ ሓድነታን ሉኣላውነታን ዝተሓለወት ኢትዮጵያ ተመስሪታ፤ ባዕልና ንባዕልና ተኸባቢርና ክነብር ኢና ዝብል ሓሳብ ነይርዎ፣ እንተኾነ ግን ብሰንኪ መራሕቲ ህወሓት ብዓይኒ ጥርጣረ ክንረአአን ዝኾነ ዜጋ ናብ ዝደለዮ ከባቢ ከይዱ ሰሪሑ ናይ ምንባር ዕድሉ ዓፅዮም ሰብአዊ መሰሉ ብምዕፋን  ነንባዕሉ ከም ፀላኢ ክናቖር ፈሪዶሞ’ዮም።
      ንምጥቕላል- ስርዓት ደርግ ዜጋታት ናይ ምውዳብ፤ ናይ ምዝራብ፤ ምፅሓፍን ካልኦትን መሰላት ዝኸልከለ መንግስቲ ስለ ዝነበረን ኣብቲ እዋን ዝነበረ መንእሰይ ናይ ለካቲት ፃውዒት ተቐቢሉ ተዓጢቑ ንስርዓት ደርግ ክኣሊ እኳ እንተበቕዐ ናይ መወዳኣታ ውፅኢቱ ግን መዐንደሪ ውሑዳት ፀረ ህዝቢ ጨቆንቲ ኮይኑ ተሪፉ’ዩ። ስለዚ ሕዝ’ውን እዚ ንመበል 40 ዓመት ልደት ህወሓት ተባሂሉ ዝዳሎ ዘሎ በዓል ታሪኽ ናይቲ ቃልሲ ንምዝካርን ንምኽባርን ተባሂሉ ዘይኮነስ ናይቲ ስርዓት ዕድመ ስልጣን ንምንዋሕ፤ ጎስጓሳት ንምክያድን ተጠቀምትን ዓጀብትን እቲ ወድብ ንኽዛነይሉ ተባሂሉ ዝዳሎ ዘሎ በዓል’ዩ፣፣