Wednesday, February 18, 2015

ብምኽንያት 11/ለካቲት 2007 ዓ/ም ካብ ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ዴ.ም.ህ.ት) ዝተወሃበ መግለፂ



ህዝቢ ትግራይ ንዓመታት ብዘካየዶ መሪሪ ቃልሲ ነቲ ከቢድን ዘይካል ዝመስል ዝነበረ ብረታዊ ተጋድሎ ከም ዝካኣል ዝገበረ ሓያል ጅግንነታዊ ቅያ ዝሰርሐን ከቢድ ዋጋ ከፊሉ መወዳኣታ ናብ ዓወት ዝበፅሐ ፍሉይ ታሪኻዊ ህዝብ’ዩ።
    ህዝብና እንቢ ንወፅዓን ጭቆናን ኣይምብርከኽን፤ብደመኛታተይ ኣይግዛእን ብምባል ብመስዋእተይ ናይ ግድን’ዩ ዓወተይ እሉ ቃልሲ ከበግስ ከሎ ዝባኣሰ ዓፈኒ ስርዓት ንምምፃእ ዘይኮነስ ህዝባዊ ስርዓት ንምትካል’ዩ ነይሩ።
   እንተኾነ ግን “ዘራጊ እንከሎ ፅሩይ ማይን ነይስተ” ከም ዝብሃል መራሕቲ ህወሓት ነዚ ኩሉ ዝተኸፈለ መስዋእቲ ንብላሽ ክተርፍ ብምግባር ነቲ ብአሻሓት ሂወት ዝተኸፍሎን ናይ አካል ምጉዳል ዝተፈፀሞ ህያው ታሪኽ ንመረጋገፂ ውልቀ ረብሐኦምን ረብሓ ኮራኹሮምን ክውዕል ብምግባር ተስፋ መላእ ህዝብና ክፅልምት ገይሮሞ’ዮም።
   ህዝቢ ትግራይ ባዓል 11 ለካቲት ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ  ዘይከም’ዚ ናይ ሎሚ በቲ ውድብ እናተገደደ ዘይኮነ ብናይ ባዕሉ ተበግሶ ነታ ዕለት ዝላዓለ ክብሪ ብምሃብን ከም መፍትሒ ወፅዕዑ ቆፂሩን ዓመት መፀ  ተስፋታት ሓዚሉ የብዕላ ምንባሩ ታሪኽ የዘንትወልና።
   እንተ ሎሚ ግን ይትረፍ ዶ ከምቲ ናይ ቅድም ዝላዓለ ክብሪ ሂቡ ከብዕላ ነታ ሽማ ኸልዕላ እኳ ጋዶ ኮይይንዎ ንሕና ስለኣ ተሰዊእና እንምበር እንታይ ተረቢሕና፤ ዝባኣሱ ጨቆንትና ኣምፂእና እንዳበለ ከስተማስልን ከማርርን’ዩ ዝርአ ዘሎ።
እዚ ንመበል 40 ዓመት ባዓል ልደት ለካቲት 11 እናተባሃለ በናይ  ህወሓት መሪሕነት መእለያ ዘይብሉ ሃፍቲ ህዝብን ሃገርን ተበጅትሉ ዝዳሎ ዘሎ ባዓል ንፀረ ህዝቢ መራሕቲ ወያነን ሰዓብቶምን እንበር ንውፅዕ ህዝቢ  ዝውክል ኣይኮነን፣ ምኽንያቱ ህዝቢ ትግራይ ወፅዓ ንምፍታሕ ኢሉ አብ ዝተቓለሰሉ መስመር ረብሕኡ ክረገገፀሉ ስለ ዘይከኣለ።
   ዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይ፣- መራሕቲ ህወሓት ንስኻ ብዝኸፈልካዮ መስዋእቲ ናብ ስልጣን ደይቦም ከብድኻ ብጥሙዩን ዝባንካ ብዕሩቑን  ብኣኣቶም ከም ዝተረባሕኻን ከም ዝሓለፈልካን፤ ተጠቃሚ ፍረ መስዋእትኻ ከም ዝኾንካን ንሳቶም ማለት ንስኻ ከም ዝኾንካ አምሲሎም ብዝነዝሕዎ ናይ ሓሶት ድራማ አብ ሃገርና ብዘለው አሓት ብሄር ብሄረሰባት ክትፅላእን ብዓይኒ ጥርጣረ ክትጥመትን እናገበሩ ፀንሖምን ኣለዉን።
   እዚ ኩነታት እዚ ግን ፍፁም ሓሰት ምዃኑን እቲ ሓቂ ብግምጣሉ ምዃኑን ማለት እዞም ብዘይ ድሌትን ተሳትፎን ህዝቢ ኣብ ስልጣን ዝርከቡ ውሑዳት  ፀረ ህዝቢ መሪሕነት እቲ ስርዓት ንዓኻ ከም ዘይውኩሉን እኳ ዳኣስ ካብ ዝኾነ ንላዕሊ በቲ ጉጅለ ዝተጠልምካን ዝተበደልካን ምኻንካ ብዝግባእ ትፈልጦ ኢኻ፣ ሹመኛታት መራሕቲ ህወሓት አብ ርእሲ ህዝቢ ዘካይድዎ ምድንጋር ብምቕፃል ሕዚ’ውን እዚ ውልቀ መላኺ ስርዓት ብምኽንያት እዚ ባዓል እናመኽንየ ንዝቐፃሊ ኣብ ስልጣን ንኽፀንሕ ካብ ዘለዎ ድልየት ተበጊሱ ብዝተፋላለየ መንገዲ ንብዓት ሓርገፅ እናነብዐ ልመናዊ ጎስጓሳት የካይድ አሎሞ በዚ ሰይጣናዊ ናይ ፕሮፖጋንዳ ብልሓት ከይተደናገርካ ከም ቀደምካ ንተንኮል ስርዓት ወያነ ንምብርዓንን ዕድመ ስልጣኖም ንምሕፃርን ምስ ኩሎም ውፃዓት ብምትሕብባር ቃልስኻ ኣሕይልካ ክትቅፅለሉን ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ ይፅውዕ።
             
                    ወፅዓ ህዝብታት ሃገርና ብናይ ሓባር ቃልሲ ይፍታሕ!!
                                            ዓወት ንውፅዓት!!
                    ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ዴ.ም.ህ.ት)
                                      11 ለካቲት 2007ዓ/ም