ዝበፅሓና ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ፣ ኣብ ከተማ መቐለ ነበርቲ ከባቢ ዓድሓ ብ16 ግንቦት 2007 ዓ/ም ኣብ ዝተኻየደ ምስሉይ መረፃ ብርክት ዝበለ ህዝቢ
ንተቓዋሚ ውድብ ዓረና መድረኽ ምምራፁ ዝገለፀ ‘ቲ ሓበሬታ በዚ ዝሰግኡ ናይ’ቲ ወረዳን ቀበሌን ኣመሓደርቲ
ነቶም ኣብ ስልጣን ንዘሎ ስርዓት ህወሓት-ኢህወዴግ ንዝቃወሙ
ዜጋታት ኣንፃር መንግስቲ ጎስጒሶም ዝብል ምኽንያት ተጠቒምም ጥቡቕ
ክትትልን ዝተፈላለዩ ፀገማትን የውርድሎም ምህላዎም ተፈሊጡ።
እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ ካድረታት ህወሓት ነቶም ንዓረና መድረኽ መሪፆም
ንዝበልዎም ነበርቲ ካብ‘ቲ ቀበሌ ዝወሃብ ዝተፈላለዩ ጥቕማ ጥቕሚ ከይረኽቡን ቀረበ ማሕበራዊ ጠለባት ከይገዝኡን ይኽልክልዎም
ምህላዎም ድሕሪ ምግላፅ እዚ ፀረ ዴሞክራሲ ኣካይዳ
ድማ ኣብ ምሉእ ኢትዮጵያ ይፍፀም ከም ዘሎ ይፍለጥ።