Friday, June 19, 2015

ኣብ ክልል ኦሮሚያ መቱ ዩኒቨርሲቲ ዝመሃሩ ተምሃሮ ድምፅና ተሰሪቑ ብምባል ናብ ምምሕዳር’ቲ ዩኒቨርሲቲ ብምጥርዖም ብዕጡቛት እቲ ስርዓት ተኹሲ ከም ዝተኸፈተሎም ተገሊፁ።



    ምንጭታትና ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ ኣብ ዩኒቨርዚቲ መቱ ዝተኻየደ መረፃ መብዛሕትኦም ተምሃሮ  ንተቓወምቲ ውድብ ከም ዝመረፁ  ዝተረድኡ ካድረታት እቲ ስርዓት; ነቲ ናይ መረፃ ሳንዱቕ ሰሪቖም ብምቕያር  ኢህወዴግ  1568 በዝሒ ብምርካብ ተዓዊቱ ብምባል ብ17 ግንቦት 2007 ዓ/ም  ዝለጠፍዎ ዉፅኢት እቶም ተምሃሮ ናይ’ቲ ዩኒቨርሲቲ ስለ ዘይተቐበልዎ ናዕቢ ከም ዘልዓሉ ተፈሊጡ።
    ኣብ’ታ ነቑጣ መረፃ ንኢህወዴግ ብትኽክል ዝመረፀ 168 ሰብ ጥራሕ  ከም ዝነበረ እቶም ዝተረፉ ብኣሻሓት ዝቑፀሩ  ተምሃሮ  ግና ንተቓወምቲ  ስለ ዝመረፁ እቲ ገዛኢ ስርዓት ምሉእ ብምሉእ  ከም ዝተሰዓረ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ነዚ ዝተረድኡ ኣምሓደርቲ እቲ ስርዓት  ዕጡቛት ብምልኣኽ ነቶም ድምፅና ተሰሪቑ ብምባል ተቓውሞ ዘልዓሉ ተምሃሮ ኣብ ልዕሊኦም ተኹሲ ብምኽፋት ነቲ ሰልፊ ብምብታን ልዕሊ 100 ንዝኾኑ ተማሃሮ ናብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ዳጎንዎም እቶም ዝተረፉ ድማ ካብ’ቲ ሰብኣዉነት ዝጎደሎ  ስጉምቲ ንምህዳም እግሮም ናብ ዝመርሖም ስለ ዘጠፍኡ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ጠጠዉ ከም ዝበለ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።