ምንጭታትና ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ ኣብ ዩኒቨርዚቲ መቱ ዝተኻየደ
መረፃ መብዛሕትኦም ተምሃሮ ንተቓወምቲ ውድብ ከም ዝመረፁ ዝተረድኡ ካድረታት እቲ ስርዓት; ነቲ ናይ መረፃ ሳንዱቕ ሰሪቖም ብምቕያር ኢህወዴግ 1568 በዝሒ ብምርካብ ተዓዊቱ ብምባል ብ17 ግንቦት 2007 ዓ/ም ዝለጠፍዎ ዉፅኢት እቶም ተምሃሮ ናይ’ቲ ዩኒቨርሲቲ ስለ ዘይተቐበልዎ ናዕቢ
ከም ዘልዓሉ ተፈሊጡ።
ኣብ’ታ ነቑጣ መረፃ ንኢህወዴግ ብትኽክል ዝመረፀ 168 ሰብ ጥራሕ ከም ዝነበረ እቶም ዝተረፉ ብኣሻሓት ዝቑፀሩ ተምሃሮ ግና
ንተቓወምቲ ስለ ዝመረፁ እቲ ገዛኢ ስርዓት ምሉእ ብምሉእ ከም ዝተሰዓረ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ነዚ ዝተረድኡ ኣምሓደርቲ እቲ ስርዓት ዕጡቛት ብምልኣኽ ነቶም ድምፅና ተሰሪቑ ብምባል ተቓውሞ ዘልዓሉ ተምሃሮ ኣብ
ልዕሊኦም ተኹሲ ብምኽፋት ነቲ ሰልፊ ብምብታን ልዕሊ 100 ንዝኾኑ ተማሃሮ ናብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ዳጎንዎም እቶም ዝተረፉ ድማ
ካብ’ቲ ሰብኣዉነት ዝጎደሎ ስጉምቲ ንምህዳም እግሮም ናብ ዝመርሖም
ስለ ዘጠፍኡ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ጠጠዉ ከም ዝበለ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።