Sunday, July 5, 2015

ነበርቲ ከተማ ሸራሮ ልዕሊ ዓቕሞም ግብሪ ክኸፍሉ ይግደዱ ብምህላዎም ኣብቲ ስርዓት ዘለዎም ፅልኣት ይገልፁ ከም ዘለዉ ምንጭታትና ካብታ ከተማ ዝለኣኸዎ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፣ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ነበርቲ  ከተማ ሸራሮ   ምስ ኣታዊኦም ዘይመጣጠን ግብሪ መንግስቲ  ክኸፍሉ ይግደዱ ኣብ ዘለዉሉ መኽፈሊ ስኢኖም ትካላቶም ይዓፅዉ ምህላዎም ድሕሪ ምግላፅ፣   ነዚ ኣብ ልዕሊኦም ዝፍፀም ዘሎ ዘይርትዓዊ ግብሪ  ኣከፋፍላ  ንኽመሓየሽሎም  ንዝምልከቶም ኣካላት ዘቕረብዎ ጥርዓን ዛጊት ፍታሕ  ክረኸቡ ከም ዘይከኣሉ ተፈሊጡ።
   ካብቶም ልዕሊ ዓቕሞም ግብሪ  ክፈሉ  ዝተብሃሉ መካራይቲ ወገናት ኣብነት ንምጥቃስ፦ ኣለነ ኣባይ 26 ሽሕ፤ ሓሰን ሲዒድ ሓምሻን 55ሽሕን 32 ብር ፤ማውጫ ገረመድህን 13 ሽሕን 409 ብር፤ ቀሺ በየነ 90 ሽሕን 424  ብር፤  ኣብርሃ ገብረፃድቕ 19 ሽሕን  530 ብር ፤ ንግስቲ ገብረፃድቕ 15 ሽሕን 450ብር፤ ግደይ ብርጅዋ 12 ሽሕ። ኣይተ  ካሕሳይ ኣለነ ወናኒ ካፌ  ድማ 15 ሽሕ 49 ብር ክፈል ከም ዝተበሃለ እቲ ዝበፃሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።
    ብፍላይ ኣይተ ጉዑሽ ኣብርሃ ዝተባሃሉ ወናኒ ሆቴል እቲ ዝተወሰነሎም ገንዘብ ኣይከፈልን ስለ ዝበሉ እቲ ትካሎም  ብኣመሓደርቲ እታ ከተማ  ዋላ’ኳ ናብ ጭረታ እንተቐረበ እቲ ህዝቢ ግን  ኣይንጫረትን ብምባል ከም ዝኣበየ ተፈሊጡ።