Saturday, June 16, 2018

ኣብ ከተማ ሃዋሳ ናይ ጨምበለላ ባዓል ስዒቡ ግጭት ተላዒሉ።



  ብድምቕ ምድላዋት ዝኽበር ናይ ሲዳማ ማሕበረሰብ ናይ ዘበን መለወጢ ባዓል ጨምበለላ፣ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ኣብ ዝኽበረሉ ወቅቲ ዘይተሓሰበ ግጭት ተላዒሉ።

  በቲ ግጭት ዝተቐተሉ ሰባት ምህላዎም 'ውን ነበርቲ ይገልፁ። እታ ከተማ ብዝተዓጠቑ ሓይልታት ተመሊኣ፣ ናይ ሲዳማ መንኣሰይ ብባህላዊ ዜማ ብጉጅለ ኮይኖም እንዳዘመሩ ተቓውሞኦም እኳ እንተስምዑ፣ ወታሃደራት ብበትርን ብሰደፍን እንዳወቅዑ ንምብታን እንፍትኑ ከም ዝተራኣዩ ነበርቲ ይገልፁ።

  እቲ ግጭት ኮነ ተባሂሉ ብሰበ-ስልጣን ደኢህዴን ከም ዝተላዓለ፣ ብፍላይ ናይቲ ሓድሽ ጠ/ሚኒስቲር ናብ ስልጣን ምምፃእ ዘይተቐበሎ ናይ ደኢህዴን ጉጅለ ፣ ናይ ዶ/ር ኣብይ ስእሊ ዝሓዘ ቲሸርት ንኸይኽደኑ ብምኽልካሎም ዕግርግር ከም ዝተፈጠረ ይዛረቡ።

  ናይ ሲዳማ ተወለድቲ ሃዋሳ ብክልል ደረጃ ንኽዋቐር እቶም ጠ/ሚኒስተር ነታ ከተማ ኣብ ዝጎብነዩላ ወቅቲ ምሕታቶምን፣ ነዚ ሕቶ ብሰላማዊ መንገዲ ክሓቱ ምውዓሎም ኮይኑ ግን ናይቲ ክልል ሰበ-ስልጣናት ግጭት ንኽፍጠር ኮነ ኢሎም ዝተወደበ ጉጅለ ምልኣኾምን ነቲ ፍፃመ ይካታተሉ ዝነበሩ ሰባት ይዛረቡ።  

No comments:

Post a Comment