Monday, July 6, 2015

ኣብዚ ሰሙን እዚ ካብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ሃገርና ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ኣንፃር ስርዓት ህወሓት ኢህወዴግ ንምቅላስ ናብ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ፣ ከም ዝተፀምበሩ ወኪልና ካብ ክፍሊ ታዕሊም ዴምህት ሓቢሩ።



እቶም ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርና ታሪኽ ይቕረ ዘይብሎ ግፍዓዊ በደል ዝፍፅም ዘሎ ፀረ ህዝቢ ስርዓት ክእለ ዝኽእል ብዕጥቃዊ ቃልሲ እዩ ብምባል ናብ ክፍሊ ተዓሊም ዴምህት ተፀምቢሮም ዘለዉ መናእሰይ ንገሊኦም ንምጥቃስ፣-

1, ጠዓመ ኣማረ ተስፋይ ካብ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ጉለ-መኸዳ ጣብያ ሸዊት-ለምለም ቁሸት ቡቕሎ፣
2, መብርሂት ረደሀኝ ገ/እየሱስ ካብ ዞባ ሴ/ምዕራብ ወረዳ ክሳድ ገባ ጣብያ ሕፃፅ ቁሸት ሕፃፅ፣
3, ግርማይ ስእሉ ገ/ማርያም ካብ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ኢሮብ ጣብያ እንዳልጌዳ ቁሸት መኸታ፣
4, ጉዕሽ ተኽሊት ሊበን ካብ ዞባ ማእኸል ወረዳ መረብለኸ ጣብያ ዓዲፍታው ቁሸት ዓዲ ሓንገደ፣
5, ጋይም ወለማርያም ኣብርሃ ካብ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ኢሮብ ጣብያ ዓሊተና ቁሸት ዓይጋ፣
6, ፀጋይ ፍሻለ ኣብርሃለይ ካብ ዞባ ምዕራብ ወረዳ ዓዲ-ዳዕሮ ጣብያ ዕጉብ ቁሸት ዓዲ-ርእሶ፣
7, መለስ ማሓሪ ሊባኖስ ካብ ዞባ ሴ/ምዕራብ ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ ጣብያ ዓዲ ክልተ ቁሸት ገዛ ስቓ፣
8, ሓለፎም ኣረጋዊ ገብሩ ካብ ዞባ ማእኸል ወረዳ መረብ-ለኸ ጣብያ ዓዲ ፍታው ቁሸት ዓዲ ሓንገለ፣
9, ኣዳነ ታረቀ ኣበበ ካብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰቖጣ ወረዳ ኣበርጌለ ጣብያ ቁጠብዋ ቁሸት ኣብደገን፣
10, ተኽሎም ብርሃነ ገ/ሚካኤል ካብ ዞባ ማእኸል ወረዳ መረብለኽ ጣብያ መዳሎ ቁሸት ዓዲ ፍታው፣
11, መኮነን ገ/ገርግስ፣ ኣማኒኤል ግደይን ኣረጋዊ ገ/ህይወትን ካብ ዞባ ማእኸል ወረዳ ኣሕፈሮም ጣብያ ዝባን ጒላ ቁሸት ጎላጉል ዝርከብዎም ኣዝዮም ብርክት ዝበሉ ከም ዝኾኑ ወኪልና ካብ ክፍሊ ታዕሊም ዴምህት ኣብ ዝላኣኾ ፀብፃብ ገሊፁ።

ካብዞም ዝተገልፁ ብርክት ዝበሉ መንእሰያት ንእስቲ መብርሂት ረደሀኝ ኣብ ናይ ወላዲታ ድኳን ትሰርሕ ከም ዝነበረት ድሕሪ ምግላፅ፣ ኣብ ሃገርና ዘሎ ቅጥዒ ዝሳኣነ ኣከፋፍላ ስርዓተ ግብሪ ኣመልኪታ ኣብ ዝሃበቶ ሓሳብ፣ ማሕበረሰብ ንግዲ ወፃኢኡን ኣታዊኡን ብንፁር መፅናቲ ተፈሊጡ ግብሪ ብፍትሓዊ መንገዲ ስለ ዘይእከብ ንብዙሓት ነጋዶ ናብ ድኽነትን ዘየተደልየ ዕዳን ዳሪግዎም ከም ዘሎ ገሊፃ።

ንሳ ኣስዒባ ሓደ ነጋዳይ ነቶም ኣከብቲ ግብሪ ኣቐዲሙ ከብለዖምን ከስትዮምን ወይ ድማ ጅበኦም ዘሐብጥ ግቦ ክህቦም እንተዘይክኢሉ፣ ዝተፈላለየ ማሕለኻታት ብምፍጣርን ቁጠብኡ ክፀሮ ዘይኽእል ግብሪ ክኸፍል ብምግዳድን ስራሕቲ ንግዲ ኣንፀርፂሩ ክገድፎ ከም ዝገብሩ ኣረዲኣ።

ኣብ ናይ ጥሪት መጓሰ ተዋፊሩ ዝነበረ ፀጋይ ፍሻለ ብወገኑ ብርክት ዝበሉ ምስ ሕርሻን መጓሰን ኣብ ዝተተሓሓዘ ህይወት ዝነብሩ ዜጋታትና ስንቅን ዕጥቅን ብምምልላስ ምስ ዴምህት ትተሓባበሩ ኢኹም እናተባህሉ ይእሰሩን ዝተፈላለየ ግፍዕታት ይወርዶምን ከም ዘሎ ገሊፁ።

ግርማይ ስእሉን ጋይም ወለማርያምን ብግዲኦም ሎሚ ኣብ ሃገርና እዚ ኹሉ ዓመታት ከርተት ኢልካ ተማሂርካ ክተብቅዕ ስራሕ ዝባሃል ኣይትረክብን፣ እቲ መንግስታዊ ስራሕ ድማ ብግቦን ብዓሌትን ስለ ዝፍፀም ብርክት ዝበለ ዝተማሃረ ዜጋ ናብ ስደት የምርሕ ከም ዘሎ ኣረዲኦም።

ንሶም ኣብ መወዳእታ ስደት ካልእ ተደራቢ ፀገም ዳኣ ይፈጥር እምበር መፍትሒ ፀገምና ክኸውን ኣይኽእልን ድሕሪ ምባል፣ እቲ ዘላቒ መፍትሒ ዕጥቃዊ ቃልሲ ከም ዝኾነ ኣሚኖም ኣብ ጎኒ ዴምህት ተሰሊፎም ክቃለሱ ብምውሳን ከም ዝተፀምበሩ ገሊፆም።