Wednesday, August 5, 2015

ኣብ ምዕራብ ትግራይ ከባቢታት በረኸት ናብ ዝርከብ ዶብ ኢትዮጵያ ሰራዊት ሱዳን ጥሒሱ ብምእታዉ ንብዙሓት ነበርቲ ከም ዘፋናቐለ ምንጭታትና ካብ'ቲ ቦታ ሓቢሮም።



ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከባቢ ከተማ በረኸት እትርከብ ግዲማ ናብ ዝተብሃለት ቦታ ብ9 ሓምለ 2007 ዓ/ም ሰራዊት ሱዳን ዶብ ሰጊሩ ናብ መሬት ኢትዮጵያ ከም ዝኣተወ ዝገለፁ እቶም ምንጭታት ነዚ ስዒቡ ነበርቲ ናይ'ቲ ከባቢ ዝኾኑ ወገናት መረበቶም ሓዲጎም ክፈናቐሉ ስለ ዝተገደዱ ነቲ ዝለቐቕዎ ቦታ ድማ ሃፋትም ሓረስቶት ሱዳናዉያን ከም ዝሓረስዎ ዝፈለጡ እቶም ዜጋታት ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጥርዓኖም ኣብ ምስማዕ ከም ዝቐነዩ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ በቲ ዝተጠቕሰ ዕለት ምክልኻል ሰራዊትን ፌደራል ፖሊስን ኢትዮጵያ ናብ'ቲ ቦታ ብምኻድ ምስ ሰራዊት ሱዳን ሙሉእ መዓልቲ ኣብ ከቢድ ዉግእ  ዝወዓሉ እንትኾኑ ብወገን ክልቲኡ ሰራዊት ግን ዝሞተን ዝቖሰለን ክሳብ ሕዚ ዝተገልፀ ነገር ከም ዘየለ ተፈሊጡ።
ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ዉግእ ድማ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንድሕሪት ተመለስ ተባሂሉ ስለ ዝተመለሰ ህዝቢ ብወገኑ ሕርሻና ብዓቢኡ ድማ መሬትና እናተወረረት ስለ ምንታይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተመለሱ ይብሎም ቀፃሊ ስጉምቲ ዘይወስድ ብምባል ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ናይ ተቓዉሞ ድምፁ የስምዕ ምህላዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።