Wednesday, August 5, 2015

ኣብ ወረዳ ናዕዴር ዓዴት ከባብታት ዳዕሮ ሓፋሽን ማዕበረ በይንን ዝርከቡ ሓረስቶት ብልዑል ዋጋ መዳበርያ ክወስዱ ይግደዱ ከም ዘለው ተገሊፁ።



ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ ንኡስ ወረዳ ዳዕሮ ሓፋሽን ማዕበረ በይንን ከባቢኡን ዝነብር ህዝቢ ልዕሊ ዓቕሙ ርትዓዊ ብዘይኮነ ዋጋ መዳበርያ ክወስድ ብኣማሓደርቲ ወረዳ ናዕዴር ዓዴት ይግደድ ከም ዘሎ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ እቶም ሓረስቶት ብወገኖም ንመግዝኢ መዳበርያ ዝውዕል ገንዘብ የብልናን ኣብ ልዕሊ ፀገም ፀገም ኣይትወስኹልና ኣብ ዝብልሉ በቶም ኣመሓደርቲ "ከም'ዚ ዝበለ ምላሽ ዝተዛረበ መሬቱ ኣሕድግና ካብ'ዚ ከባቢ ክነባርሮ ኢና" እናበሉ  ኣብ ምፍርራሕ ተፀሚዶም ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።
   እቲ ሕብረተሰብ በቶም ኣማሓደርቲ ክወርዶ ዝኽእል ምብራርን ማእሰርትን ሰጊኡ ጥሪቱን ንብረቱን እናሸጠ እናተለቀሐን ነቲ ዝቐረብሉ መዳበርያ እናገዝአ ክወስድ ይግደድ ከም ዘሎ ካብ'ቲ ከባቢ ምንጭታትና ዝለኣኽዎ  ሓበሬታ የመልክት።