Tuesday, August 11, 2015

ኣብ ከተማ ባህር-ዳር ክልተ ናይ ህዝቢ መመላለሲ ኣዉቶቡሳት መንነቶም ብዘይተፈለጡ ሰባት ብዝተፃወደ ፈንጂ ከም ዝዓነዋ ተፈሊጡ።



ብመሰረት እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣብ መስመር ኣዲስ ኣበባ ባህርዳር ተመዲበን ዝሰርሓ ክልተ መመላለሲ ህዝቢ ዝኾና "ሰላም" ብዝብል ስያመ ዝፍለጣ ኣብቶቡሳት ካብ ኣዲስ ኣበባ ተበጊሰን ኣብ ከተማ ባህርዳር መንሃርያ ምስ በፅሓ ብ20 ሓምለ 2007 ዓ/ም ሰዓት 6 ናይ ለይቲ ክልትኤን ከም ዝዓነዋ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እተን ብፈንጂ ዝዓነዋ ኣብቶቡሳት  ኣዲስ ኣበባ  ባህርዳር ዘመላልሳ ኮይነን እቲ ተፈንጅሩ ዘዕነወን ነታጒ ብመን ከም ዝተፃወደ ዝተፈልጠ ነገር ከም ዘየለን  ካብ'ተን ኣዉቶቡሳት ምዕናዉ ሓሊፉ ኣብ ሰብ ይኹን ኣብ ህይወት ሰብ ዝበፀሐ ጉድኣት ክሳብ ሕዚ ዝተረኸበ ሓበሬታ ከም ዘየለን እዚ ኩነታት ኣብ መራሕቲ መኪና ይኹን ኣብ ተጠቃሚ ህብረተሰብ ስግኣት ፈጢሩ ከም ዘሎ ካብቲ ከባቢ ዝበፀሐና ሓበሬታ የመልክት።