Friday, August 7, 2015

ንዘይተሪፍ መስዋእትነት ታሪኽ ሰሪሕኻ ምሕላፍ ክብሪ’ዩ!!



ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ሃገርና ንህዝቢ ዝውክልን ብህዝቢ ዝተመርፀ መንግስቲ ብዘይምህላውን ነዚ ዕድል እዚ ንምፍጣር ኣጋጣሚ ዝረኸቡ ጉጅለታት ይኹኑ ውልቀ ሰባት ቅድሚ ረብሓ ሃገርን ህዝብን ረብሓ ባዕዳውያንን ውልቀ ጥቅሞምን ብምቕዳም ዝረኸብዎ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ተጠቒሞም ንድልየት ህዝቢ ዓፊኖም ኣብ ስልጣን ይቕፅሉ ኣለው።
  መራሕቲ ኢህወደግ ንህዝቢ ናይ ምግልጋል ስራሕ ዘይኮነስ ናይ ባዕሎም ጥቕሚ ኣብ ምሕላውን ኣብ ኮረቻ ስልጣን ወፂኦም ሃብቲ ህዝብን ሃገርን ንውልቀ ረብሐኦም እናውዓሉ፤ ከም ደስ ዝበሎም ንህዝቢ እናጨቆኑን እንዳንገላትዑን  እናጨፍጨፉን  ንትውልዲ ዝሓልፍ ሕማቕ ታሪኽን ዘይርሳዕ  በሰላን ገዲፎ ይሓልፉ ምህላዎም ግልፂ’ዩ።
    ድሕሪ ስርዓት ደርግ  ብናይ ደቂ ህዝቢ መስዋእትን ስንክልናን ስልጣን ዝበሓተ  ፀረ ህዝቢ ጉጅለ ኢህወደግ ፋሽሽታዊ ስርዓት ደርግ ምእንተ ሃገርን ህዝብን ጠጠው ንዝበሉ ንፁሃን ዜጋታት ይጭፍጭፎም ከም ዝነበረ ኹሉ እዚ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ስርዓት’ውን እንተኾነ ብፖለትካዊ ኣራኣእይኦም ባህ ኣይበሉንን ብዝብል ብስውርን ብግልፅን ንፁሃት ዜጋታት ህይወቶም ክስእኑ ብምግባሩ ናይ ባዕሉ  ፀረ ህዝብን ሃገርን ዝኾነ አካይዳን መፍለይን አለዎ።
    ስርዓት ኢህወዴግ ካብ ዝሓለፉ ጨቆንቲ ስርዓታት ዝፈልዩዎ ኣዝዮም ብዙሓት እኩይ ባህርያት ከም ዘለውዎ ግልፂ’ዩ፣ እዚ ስርዓት እዚ ዝልለየሎም እዚ መዓልቲ ክልወጡን ከመሓየሹን ዘይኽእሉ ማእለያ ዘይብሎም ፀረ ሃገርን ህዝብን ዝኾኑ ኣጀንዳታት ከም ዘለው ከምርዱእ ወሲድካ ብተወሳኺ ገበርቲ ሓደግቱ ብዝኾኑ ወፃእተኛታት ዝወሃቦ ትእዛዝ ንምትግባር ካብ ዘለዎ ስሱዕ ድልየት ተበጊሱ ንባዕዳውያን ብዘይምግዝኡ ንዝፍለጥ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣተግባሪ ኮይኑ ሕነ ንምፍዳይ፤ ንሃገርና ንምብትታንን ኢትዮጵያዊነትና ንምጥፋእን ዝተዳለወ ግጉይ ታሪኽ ተሓንጊጡ ብፋላይ ነቲ ስርዓት ኣይንግዛእን ኣብ ልዕሊ ዝበሉ ንፁሃን ህዝብታት ግፍዕታት ንምውራድ ልዑል በጀትን ሓይሊ ሰብን ብምምዳብ ንጥፍኣት ምብጋሱ መለለይ ባህሪ ኣብ ስልጣን ናይ ዘሎ ስርዓት’ዩ።
    ከም ዝፍለጥ ብአፈሙዝ ብረትን ዓፈንቲ ሕግታትን ሓሳቡን ተቓውምኡን ከይገልፅ ዝተኸልከለ ህዝቢ ኢትዮጵያ ነቲ ስርዓት ዘለዎ ተቓውሞ ኣብ ዝረኸቦ ኣጋጣሚ ዝገልፀሉን ካብኡ ሓሊፉ ድማ ኣብ ናይቲ ስርዓት ናይ ሓሰት መረፃ ኢዱ ብዘይምሕዋስን ብዘይምምራፅን ኣብ’ቲ ስርዓት ዘለዎ ተቓውሞ ገሊፁ’ዩ። በዚ መንፅር ስርዓት ኢህወደግ ኣብ ዝቕፅል 5 ዓመታት ናይ ስልጣን ግዚኡ ደረጃ ኣበይ ከብፀሖ’ዩ? ሒዚዎ ዘሎ ስልጣንከ ብትኽክል ንሃገርን ህዝብን ንምጥቃም ድዩ? ወይስ ንዝተበገሰሉ ሃገርን ህዝብን ናይ ምብትታን ወፍሪ ኣጠናኺሩ ንምቕፃል?
    ብዝኾነ! ክልተ ተፃረርቲ ብሓደ ሓቢሮም ክጓዓዙ ከም ዘይኽእሉ ኩሉ ብዝኾነ ምኽንያት ህዝቢ ኣብ ጎኒ ስርዓት ኢህወደግ ጠጠው ክብል ስለዘይኽእል ህዝቢ ንኢህወደግ ብዘይምምራፁ ይኹን ኣብ ጎኒ ህወሓት-ኢህወዴግ ብዘይምስላፉ እቲ ስጉምቲ ብዕፅፊ ምውሳኹ ዘይተሪፍ’ዩ። ኢህወዴግ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዝሃለወ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝበፅሕ ግፍዒ፤ ማእሰርቲ፤ መግረፍቲ፤ ዓፈና፤ ድኽነት ዝወለዶ ሕሰም ናብራ፤ ህዝቢ ናይ ምፍንቓል መስርሕ ወ.ዘ.ተ ክቕፅል’ዩ።
   ኣብ ትሕቲ ኢሀወደግ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ኢትዮጵያ ፈተወ ፀልአ እዚ ስርዓት’ዚ ክሳብ ዝሃለወ ክቡር መስዋእትነት ምኽፋሉ ኣይተርፍን ምኽንያቱ  ብኣንፃር ናይ ሃገርና ኢትዮጵያውያን ታሪኽ እንትርአ  ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ህዝቢ ኢትዮጵያ ንናይ ደገ ወረርቲ ይኹን ናይ ውሽጢ ፀረ ህዝቢ ስርዓታት ኣሜን እሉ ተገዚኡ ኣይፈልጥን ስለዚ ሕዚ ውን ሬኡ ከም ዘይረኣየ ርእሱ ኣድኒኑ ክነብር  እዩ ኢልካ ዝግመት ኣይኮነን።                
    ስለዝኾነ! ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዝኽተሎ ዕላማን ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባን  ህይወቱ ንመስዋእትነት ምውፋዩ  ስለ ዘይተሪፍ ንባዕሉ መስዋእቲ ኮይኑ ብሄራዊ ክብሩ ንምምላስን ኣብ ሃገሩ ጥዕና ዘለዎ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ንምህናፅን፤ ንህዝብን ሃገርን ተቆርቋሪ ዝኾነ ብህዝቢ ዝተመርፀ መንግስቲ ንምትካል ኣብ ዝግበር ቃልሲ ኩሉ ናይ ባዕሉ እጃም ንኸበርክት ድሉውነቱ ከራጋግፅ ይግባእ፣ እንተምታይሲ ንዘይተሪፍ መስዋእቲ ታሪኽ ሰሪሕኻ ምሕላፍ ልዑል ክብሪ ስለ ዘጎናፅፍ።