Friday, November 6, 2015

“ዘይብላስያ ክተለቅሕ ኢላ ከይተቀበለት ሞተት!!”



ከም ዝፍለጥ ሃገርና ኢትዮጵያ ካብተን ኣብ ትሕቲ ሳህራ ዝርከባ ሃገራት ብድኽነታ አብ ቀዳማይ መስርዕ እትርከብ ከም ዝኾነትን መራሕታ ድማ ካብዚ መስመር ድኽነት ንኽትወፅእ ካብ ፕሮፖጋንዳ ዝሰገረ ዝገበርዎ ተግባራዊ ምልዕዓል ከም ዘየለ ዝኾነ ዜጋ ዘይስሕቶ ሓቂ እዩ።

ካብዚ ዝነቐለ ድማ ህዝባ ብዝተፈላለዩ ሕማማት ተጠቒዖም ንሞት ከምዝሳጥሑ  ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ  ብፍላይ አብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ሃገርና ጥኑሳት አዴታት ብቓሬዛ ተሸኪምካ ዘዋልዳ ሰብ ሞያ ንምድላይ። ብዙሕ ማይላት ምኻድን ምንክርታትን ሐዚ'ውን አብ ገፀር ከባቢታት ኢትዮጵያ ዘይተነኽአን ዘይተፈተሐን ፀገም እዩ ዘሎ ሰራሕተኛታት ጥዕና ኤክስቴንሽን ብሰፊሑ እናዋፈርኩ እየ ዝብል ዘሎ ምስሉይ ሚንስቴር ጥዕና እቲ ስርዓት ገና ዘይበፀሖምን መፍትሒ ዘይተረኸበሎም ሕማማት ከም ኤች አይቪን ካንሰር ይትረፍ እሞ ብዓሶ ሕማማት ተታሒዙ ዝሳቐ ዜጋ ቁፅሩ ዘይንዓቕ እዩ።

አብ'ቶም ዝሓለፉ ዓመታት ምስ ድርቂ ዝተተሓሓዘ ንጥምየት ካብ ዝተሳጥሑ ልዕሊ 13 ሚልዮን ዜጋታት ውሽጢ ንሓደገኛ ሕማም ዝተቓልዑ እንትኾኑ እቲ ገዛኢ ስርዓት ግን አደዳ ቁፅሪ መፀብፀብን መፃወቲ ካርድን ገይርዎም እዩ። ምስ ጥዕና ዝተተሓሓዘ በቢጊዚኡ ንዝረአ ፀገም ሓደ መፍትሒ አንፈት ቡቁዕ ዝኾነ ባዓል ሞያ ጥዕና በቢክልሉን ገፀር ወረዳታትን ንክባፃሕ ምግባር እቲ ቀንድን አገዳስን ከም ዝኾነ ኢትዮጵያዊ  ዜጋ ዘይስሕቶ ጉዳይ እዩ። ይኹን 'ምበር አብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ሓደ ዝተሰመዐ ዜና ግን ዘገርም እዩ። ንሱ ከዓ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት አብ ዓዲ ውሽጢ ነረስ እናሰልጠነ ንወፃኢ ዕዳጋ ንምቅራብ ዝብል ዕላማ ሒዙ ክዋፈር እዩ ምባሉ “ዘይብላስያ ክተለቅሕ ኢላ ከይተቐበለት ሞተት" ንዝብል ምሰላ ሓቂ  ይገብሮ።

አብዚ ሐዚ ጊዜ ብዓለም ለኸ ጉዳይ ምሻጥ ነርሲታት ዝተላዕለ ናይ  ቁፅሪ ስደት ምስ ካልኦት ሃገራት እንትነፃፀር ኣብ ሃገርና ዝለዓለ ደረጃ ሒዙ ይርከብ። ማለት አብ ኢትዮጵያ ውሽጢ ካብ ዝሰልጠኑ ነርስታት እቶም 16.8 ሚኢታዊ ዝኾኑ አብ ስደት ይርከቡ፣ እቲ ልክዕ እዚ ኮይኑ እንዳሃለወ እታ ሃገር ብባዓል ሞያ፤ ብቁፅሪ ይኹን ብፅሬት ብዓርሳ ከይከኣለት ባዓል ሞያ ምሻጥ ንኽትካተት ምሕሳቡ እቲ ስርዓት ሐዚ'ውን አብ መፅናዕቲ ዝተደረኸ ዘላቒ ዝኾነ መፍትሒ ካብ ምምፃእ ወፂኡ አብ ናይ ድንገት ትልሚ ብግልፂ ምፅማዱ ዘርኢ እዩ።
እዚ ትልሚ ተግባራዊ ኮይኑ ዝቕፅል እንተኾይኑ አብዚ ቀረባ እዋን ክትባት ዝህብ ባዓል ሞያ ሓኪም ምርካብ ሕልሚ እዩ ክኸውን።
ቅድም ክብል አብ ኢትዮጵያ ውሽጢ ዘሎ ሽግር ጥዕና ንምፍታሕን ስደት ባዓል ሞያ ንምቕናስ ፖሊሲ ምቕራፅ አድላይ እዩ ዝብል ብቡዙሕ አንፈታት ናይ ምሕፀና ምኽሪ ይቀረብ ነይሩ እዩ። ኮይኑ ግና እቲ ፀገም ንምቕራፍ ካብ ዝቐረበ ናይ ፖሊሲ ኣማራፂ ንጎኒ ተጎስዩ።  መንግስቲ ነርስ ኣብ ምልኣኽ ዝለዓለ ደረጃ ምሓዙ ካብ'ቲ ዝተዋሃቦ ምኽሪ ብተቃራኒ ጠጠው ከም ዝበለን ከምኡ'ዉን ካብ ቀረባ እዋናት ናብ'ዚ እቲ ፖሊስን አሰራርሓን ነኒ ባዓሉ ዝጋጨው እናኾነ መፂኡ እዩ
ገዛኢ ስርዓት ኢህወደግ ብዛዕባ ናይ ሓምሽተ ዓመት ትልሚ ዕብየትን ስግግርን ኢሉ ዝሰብኮ  እታ ሃገር ጥበብ ብዝተመለኦን አብ መሬት ምስ ዘሎ ምስሊ ዝተገናዘበ መፍትሕን ትልምን ኣብ ክንዲ ምዉፃእ ብተኣምር ናብ ቅድሚት ከሳግራ ከም ዝኽእል ዘዉፅኦ ዉጡን ብተፃራሪ ኣንፈት ኮይኑ እዩካብ'ዚ ሓሊፉ ድማ  ቁፅሪ ስራሕ ስእነት ብዓመት ብ 20 ሚኢታዊ እናዓበየ ኢህወደግ ግን ናይ ጉልበት ሰራሕተኛታት 'ውን ካብ ወፃኢ ንምምፃእ ትልሚ ኣውፂኡ ኣሎ፥ ከምኡ'ዉን ቅድሚ 100 ዓመታት ዝተዘርገሐ መስመር ባቡር ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓስርተ ዓመታት ብዘይ ኣድህቦን ፅገናን ዝተዓፀወ እናሃለወ ሐዚ ብሃውሪ ካብ 6 ሽሕ ኪሎ ሜትር ንላዕሊ ዝኸውን መስመር ባቡር ንምዝርጋሕ ሓሙሽተ ዓመታት ጥራይ እኹል እዩ ብዝብል ይገልፅ ኣሎ።

ኣብ ዝቕፅል 15 ዓመታት ውሽጢ ድማ እታ ሃገር ማእኸላይ ኣታዊ ናብ ዘለወን ሃገራት ክትስለፍ ክንገብራ ኢና ዝብል ናይ ኢህወደግ ዝተመነወ ዲስኩር መደረ እናስመዐ መፍትሒ ስኢኑ ብስእነት ሃለኽቲ ነገራትን ስእነት ፖለቲካዊ ነፃነትን ሕሰም መነባብሮ  ምኽኣል ዝኸበዶ  ሕብረተሰብ ኣብ ዘለዋ ሃገር። ከምዚ ዓይነት ዝኸሰረ ፖለቲካዊ ፃውቲ ምፅዋት ክንደየናይ ብህዝብን ሃገርን ጠላዕ እናተፃወቱ ከም ዘለዉን ንይምሰል ተባሂሉ ዝተፈብረኸ ምምሕዳራዊ ምድላዉ ምዃኑ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ዜጋ ክፈልጦ ኣለዎ።

ንምምጥቕላል መራሕትን ካድረታትን ኢ.ህ.ወ.ዴ.ግ ዘሎን ዘየሎን ሓሳብ እናምፅኡ ህዝቢ ንኸጥምቕዎ ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ዘለዉ ተመሊሱ ንባዕሎም ሒዝዎም ናብ ደልሃመት ገደል ከም ዝኣትው ካብ ታሪክ ክማሃሩ ይግባእ