Wednesday, November 11, 2015

ኣብ ወረዳ ወርዒ ለኸ ዝርከቡ መንእስያት ንማሕበር መንእስይ እናተብሃለ ዝኸፍልዎ ገንዘብ ናይ ቅቢሊት ወረቐት ስለ ዘይዋሃቦም ደጊሞም ክኸፍሉ ይግደዱ ምህላዎም ተፈሊጡ።



ኣብ ዞባ ማእከል ወረዳ ወርዒ ለኸ ዝርከቡ ኣመሓደርቲ  ናይ ማሕበር መንእስያት  ዘይከፈለ መንእሰይ ናይ ጎቦ መቐሎ  መሬት መሰሉ ኣይሕሎን እናበሉ ዝርከብዎ ገንዘብ ብዘይ ሕጋዊ ቅብሊት ወረቐት ሰለ ዝኾነ  እቶም መንእስያት ኣይከፈልካን እናተብሃሉ ካልኣይ ንክኸፍሉ ይግደዱ ምህላዎም እቲ ዝኸፍልዎ ገንዘብ እንተኾነ 'ውን ኣብ ምንታይ መዓላ ከም ዝወዕል ኣይንፈልጥን ክብሉ እቶም መንእስያት ብምረት  ገሊፆም።
    እቶም ኣመሓደርቲ ዝኽተልዎ ኣተዓዳድላ ጎቦ መቐሎ ፍታሓዊ   ዘይምዃኑ፤ ቅድምያ ዝውሃብ ኣባል ናይ'ቲ ስርዓትን ብቤተሰብን ወገንን ስለ ዝኾነ ንመብዛሕትኡ መንእስይ ምኽንያት እናፈጠሩ ሰለ ዘይዕድልዎ እቲ  መማረፂ  እግሩ ናብ ዘምረሖ ሰደት ምኻድን ከምኡ'ውን ናብ ከተማታት ምፍላስን  ከም ዝኾነ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።