Tuesday, November 17, 2015

ኣብ ከተማ ዓድዋ ንመስርሒ ፅርግያ ብዝብል ምኽንያት መንበሪ ገዛውቶም ዝፈረሶም ነበርቲ ግቡእ ካሕሳ ስለ ዘይተዋህቦም ምስ ስድረኦም ኣብ ከቢድ ፀገም ምህላዎም ተፈሊጡ።



    ኣብ ዞባ ማእከል ትግራይ ነበርቲ ከተማ ዓድዋ  ግዜ ተዋሂብዎም  ቅድመ ድልውነት ከይገበሩን ግቡእ ካሕሳ  ከይተዋሃቦም ገዝውቶም ብዶዘራት ስለ ዝፈረሶም ምስ ስደረኦም ኣብ ከቢድ ናይ መነባብሮ ፀጊም ምውዳቖም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ብፍላይ ብንግዲ ዝመሓደሩ ወገናት ንልዕሊ ዓመት ብዘይ ስራሕ ደው ስለ ዝበሉ ግዳይ ክሳራን ዕዳን ምዃኖም  ብምረት ገሊፆም።
  እዞም ግዳያት ወሲኾም  ከም ዝሓበርዎ ምስ ንብረቶም ኣብ ጎደና  ስለ ዝተደርበዩ ንዝተፈላለዩ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ምቕላዖምን  ድሕሪ ምግላፅ ፍታሕ ንኽግበረሎም ካብ ከንቲባ ናይ'ታ ከተማ ጀሚሮም ክሳብ ክልል ብምኻድ ዘቕረብዎ ጥርዓን ብሎሚ ብፅባሕ  ውፅኢት ክረኽብሉ ስለ ዘይከኣሉ ኣብ ልዕሊ እቲ ዘይሓላፍነታዊ ስርዓት ዘለዎም ፅልኣት ኣብ ምግላፅ ይርከቡ።