Tuesday, November 17, 2015

ኣብ ከተማ ዉቕሮ ብሃገር ደረጃ ዝርከቡ ኣካላት ፍትሒ ዝተሳተፍሉ ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ ዝተሳለጠሉ ህዝቢ ክልል ትግራይ ልዕሊ ማንም ፍትሒ ዝተነፈጎ ህዝቢ ከም ዝኾነ ተገሊፁ።



ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ከተማ ዉቕሮ ብሃገር ደረጃ ዘሎ ከይዲ ፍትሒ ዝግምግም ኣኼባ ብ19 ጥቕምቲ 2008 ዓ.ም ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ ዝተኻየደሉ ኣብ ክልል ትግራይ ዝኸፈአ ፀገም ፍትሒ ከም ዘሎ ኩሉ ከይዲ ፍትሒ ብገንዘብን ዘመድ ኣዝማድን ከም ዝፍፀም እዚ ማሕንቖ ዕቤት ዝኾነ ሽግር ሱር ሰዲዱ ስለ ዘሎ ብቐሊሉ ክቕረፍ ከም ዘይኽእል ተኣከብቲ ከም ዝገምገምዎ ምንጭታትና ካብቲ ቦታ ኣብ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ገሊፆም።
ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ ኣብ ክልል ትግራይ ገንዘብ ዘይብሉ ድኻ ሓቂ ዋላ ይሓዝ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቡ ክረትዕ ዝኽእለሉ ኣጋጣሚ ዳርጋ ከም ዘለን እቲ ልዕሊ ካልኦት ዝሓመቐ ከይዲ ፍትሒ ኣብ ትግራይ ምዃኑ ከም ዝተገምገመን ብፍላይ ከዓ ካብ ካልኦት ክልላት ዝመፁ ደያኑ ህዝቢ ትግራይ እዚ ኩሉ ምእንቲ ፍትሕን ማዕርነትን ተቓሊሱ ተሰዊኡን ሰንኪሉን ልዕሊ ማንም ፍትሒ ክንፈጎ ብጣዕሚ ዘሕዝን እዩ ክብሉ ሓሳቦም ከም ዝሃቡ ተገሊፁ።