Tuesday, April 3, 2018

ኣብ ኣርባምንጭ ኣብ ቀረባ ግዜ ካብ ዝተፈትሑ ናይ ሕልና እሱረኛታት ገለ ዝተወሰኑ ተመሊሶም ከም ዝተኣሰሩን ካልኦት ድማ ምፍርራሕ ይበፅሖም ከም ዘሎን ተገሊፁ።



  ብዝተፈላለዩ ናይ ሽብርተኝነት ወንጀላት ሰበብ ብምግባር ተኣሲሮም ዝነበሩ  ናይ ከተማ ኣርባምንጭ መናእሰይ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ ስዒቡ ዝተፈትሑ ዋላ እንተኾኑ፣ በቶም ኣብ ከባቢኦም ዝርከቡ ናይቲ ወታደራዊ እዚ ወኪላት ኢና ዝብሉን ናይቲ ወረዳ ሰበ ስልጣንን የፈራርሑዎም ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።  
  ብእኒ ሉሉ መሰለ መዝገብ ተኸሲሱ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝተፈትሐ መርደኪዮስ ሽብሩ ዝተብሃለ ውልቀ ሰብ ተመሊሱ ንክእሰር ዝተገበረ እንትኸውን፣ መልካሙ ዳዲ ዝተብሃለ ካሊእ ኣብ ቀረባ ዝተፈትሐ ድማ ብዝበፅሖ መግረፍቲ ዝተልዓለ ናብ ወላይታ ክርስቲያን ሪፈራል ሆስፒታል ከም ዝተወሰደ ተሓቢሩ።
  ብኻሊእ ወገን ናይ ፌደራል ፖሊስ ኣባል ዝነበረ ብሕሱም መግረፍቲ ከቢድ ማህሰይቲ ከም ዝበፅሖ ክዳኑ ኣውፂኡ ንቤት ፍርዲ ዘርኣየ ኣስቻለው ደሴ ኣብ ፀልማት ገዛ ተኣሲሩ ዝርከብ እንትኸውን ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ አለማየሁ ታከለ ዝተብሃለ ውልቀ ሰብ ምስክር ከም ዝቐረበሉ ተገሊፁ።

No comments:

Post a Comment