Tuesday, April 3, 2018

ሓድሽ ጠቅላይ ሚንስትር ነቲ ሱር ዝሰደደ ናይታ ሃገር ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ቅልጡፍ ምላሽ ክህቡ ይግብኦም ክብል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ፃውዒት ኣቕሪቡ።



 ሓድሽ ናይ ኢትዮጵያ ጠቅላይ ሚንስትር ኮይኖም ዝተመረፁ ዶ/ር ኣብይ ኣህመድ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝተስፋሕፈሐን ሱር ዝሰደደን መጠነ ሰፊሕ ናይ ሰብኣዊ መሰል ረገፃታት ንምፍታሕ ቅድሚ ኩሉ ነገር ክሰርዑዎ ይግባእ ክብል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ገሊፁ።
  እታ ሃገር ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት ጥራሕ ንካልኣይ ግዜ ህፁፅ ናይ ግዜ ኣዋጅ ብምውፃእ ዝተፈላለዩ ናይ ዜጋታት ነፃነት ዝግድቡ ሕግታት ተግባራዊ ኮይኖም እዮም። ህዝቢ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላቱ ንክኽበረሉ፣ ነፃነት ንክሰፍን ኣብ ዝሓተሉ ወቕቲ ጠቅላይ ሚንስትር አብይ ናብ ስልጣን መፅዮም ኣለዉ። እቲ ህፁፅ ናይ ግዜ ኣዋጅ ድሕሪ ምእዋጁ ብጣዕሚ ዘደንግፁ ተርእዮታት ኣብታ ሃገር ተኸሲቶም እዮም። ለካቲት 24/ 2010 ዓም ኣብ ደቡባዊ ኢትዮጵያ ከተማ ሞያሌ ናይቲ ገዛኢ ስርዓት ዕጡቛት ብዝወሰዱዎ ኢሰብኣዊ ጨፍጫፍ 12 ሰላማውያን ሰባት ተቐቲሎም ብዙሓት ቁሱላት ዝኾኑሉ ከም ኣብነት ክጥቀሱ ይኽእሉ እዮም ብምባል ኣምነሰቲ ይገልፅ።
   ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ ኣዲስ አበባ ኣብ ቀረባ ዝተለቐቑ 12 ፍሉጣት ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ተመሊሶም ንክእሰሩ ተገይሩ። ብተመሳሳሊ ኣብ ከተማ ባህርዳር 19 ሙሁራት ተኣሲሮም። ”ቅትለት ሰለማውያን ዜጋታት፤ ናይ ፖለቲካ እሱረኛታት፤ ፈቲሑ ዳግም ንክእሰሩ ምግባሩ እቲ ገዛኢ ስርዓት ነቲ ዝገብሮ ዘሎ ናይ ለውጢ ተሃድሱ ኣብ ሕቶ ምልክት ዘእትዎ እዩ። እቶም ጠቅላይ ሚንስትር ንኩሎም እሱረኛታት ብዘይ ምንም ቅድመ ኩነታት ብምፍታሕ፣ ንኩሎም ዓፈንቲ ሕግታት ከልዕሉዎም ይግባእ፣ ክብሉ ”ናይ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዋና ፀሓፊ ሳሊል ሼቲ ወሲኾም ገሊፆም።

 

 

 

No comments:

Post a Comment