Sunday, December 16, 2012

ኣብ ከተማ ባህር ዳር ዝርከቡ ነጋዶ ልዕሊ ዓቕሞም ዝተወሰኖም ግብሪ ክኸፍሉ ብዘይ ምኽኣሎን ትካላቶም ይዕሸግ ከም ዘሎ ተሓቢሩ፣

-->



ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ብሽም ራኢ መለስ ንምዕዋት ዝብል ዝንቡዕ ኣተሓሳስባ  ኣብ መላእ ሃገርና ብካድረታቱን ሽመኛታቱን ኣቢሉ ብምድንጋር። ነጋዶ እታ ከተማ ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ግብሪ ንክኸፍል ብምግባር ዓቕሚ ንዘይብሉ ድማ ንግዲ ትካሉ ይዓፅዉሉ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ፣

ብመሰረት ካብ ከተማ ባህርዳር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ትካሎም ካብ ዝተዓሸጉ ወገናት ኣቶ ፀጋዮ ተዋቸው ዝተብሃሉ ኣብ ቀበሌ 04 ጣና ገበያ ናይ ጨርቃ ጨርቂ ነጋዳይን ኣብ ቀበሊ 12 ናይ ሸቐጣ ሸቐጥ ነጋዳይ ኣቶ ኣበበ ምላሹን ዝበሃሉ ከም ዝርከብዎም ተሓቢሩ፣

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ልዕሊ ዓቕሙ ግብሪ ክኸፍል ዝግደድ ዘሎ ኣብዛሓ ታሕተዋይን ማእኸላይን ነጋዳይ እንትኾን ኣብ መንጎ ላዕለዎት ነጋዶን ሰበ ስልጣን እቲ ክልልን ጥቡቕ ምትእስሳር ብምግባር። ኣብ ልዕሊ ታሕተዎት ነጋዶ ፀቕጢ ብምፍጣር ትካላቶም ይዕሽግዎ ከም ዘለዉ ነቶም ግዳያት መሰረት ብምግባር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ  ወሲኹ ኣረዲኡ፣