Sunday, December 16, 2012

መራሕቲ ህ.ወ.ሓ.ት. ኢህወዴግ ዕድመ ስልጣኖም ንምንዋሕ ኣብ ዛላንበሳ፤ ኣሕፈሮም፤ ሸራሮ፤ ኣደባይን ሑሞራን ካልኦት ከባቢታትን ዝርከቡ ሚልሻ ንኽጥርነፉ ኣብ ምዝርራብ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ፣

-->


መራሕቲ ወያነ ነቶም ኣብ ከከባቢኡ ዘለዉ ኣባላት ሚልሻ ክጥርነፉን ወተሃደራዊ ክዳን ክወሃቦምን ዝብል ሓሳብ እኳ እንተለዎም። እቲ ሚልሻ ይቕበለና‘ዶ ይኸዉን ካብ ዝብል ፍርሒ ዘንቀሎ። እቲ ዝተሓሰበ መደብ ናብ ባይታ ንምዉራድ ላንጋላንጋ ኮይኖም ከም ዘለዉ ካብ ውሽጦም ዝተረኽበ ሓበሬታ  ኣረዲኡ፣

ኣብ መላእ ሃገርና ብዘሎ ዘይተራጋገአ ማሕበራዊ፤ ቁጠባዉን ፖለቲካዉን ሃዋህው ብሰናይ ምሕደራን ዴሞክራስያዊ መንገድን ቅኑዕ ፖሊስን ኣብ ክንዲ ክስተካኸል ምግባር። ብሓይሊ ብረት ተቓዉሞ ህዝቢ ንምዕፋንን ብሽም ጨጉረ ለወጥ ዝብል ዜጋታት ንምዉቓዕ ዝግበር ዘሎ ምድላው ምዃኑ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣገንዚቡ፣