Saturday, December 22, 2012

ኣብ ክልል ኣምሓራ ምዕራብ ጎጃም ኣብ ከተማ ፍኖተ ሰላም ብስራሕ ንግዲ ዝማሓደሩ ወገናት ትካላቶም ብሰበስልጣን እቲ ክልል ይእሸግ ከም ዘሎ ተሓቢሩ።

ሰበስልጣን ወያነ ኢህወደግ ኣብ መላእ ሃገርና ንዘለው ማሕበረሰብ ንግዲ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ግብሪ ክኸፍል ብምግዳድ ንኣደዳ ሽግርን ከባቢኡ ለቒቑ ክወፅእን ስድራታት ኣብ ፀገም ክወድቁ  ይገብሩ ከም ዘለው እቶም ግዳያት ብምረት ይገልፁ ኣለው።
ብመሰረት ዝተረኸበ ሓበሬታ ነበርቲ ፎነተ ሰላም ካብ ዝኾኑ ትካላቶም ዝተኣሸጎም ወገናት።-
Ø ኣቶ ኣያና ጫሬ ወናኒ ናይ መስተ ግሮሰሪ
Ø ኣቶ ሃብታሙ ከበደ ትካል ናይ ገዛን ቤት ፅሕፈትን ስራሓቲ ፅርበት ዕንፀይቲ
Ø ኣቶ እያያ ሃብታሙ ትካል መሸጢ ጫማ
Ø ኣቶ ሙሉጌታ ነጋ ትካል ናይ ፅሕፈት መሳርሒ መሸጢ
Ø ኣቶ ኣንዱኣለም ሰውነት ትካል ናይ ህንፃ መሳርሒ “ ዝርከብዎም ምዃኖም ተፈሊጡ፣
 ብተወሳኺ ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ግብሪ ክኸፍሉ ተወሲንዎም ክኸፍሉ ዓቕሚ ከም ዘይብሎም።  ንሰበስልጣን እቲ ከባቢ ጥርዓኖም ኣቕሪቦም ኣብ ቆፀራ ዝርከቡን ነጋዶ ተዘይከፊሎም ትካላቶም ከም ዝእሸግ  ካብ ዝተሓበሮም ዜጋታት ወነንቲ ትካላት ኢትዮጵያ ሆቴል፤ ኤክስትሪም ሆቴልን ንፁህ ሆቴልን ከም ዝርከብዎም ተሓቢሩ፣
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ከተማ ባሕር ዳር ፖለቲካዊ፤ ቁጠባውን ማሕበራውን  ፀገማትን ብኣስገዳድ ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ፍትሓዊ ዘይኮነ ግብሪ ክኸፍሉ ዝተገደዱን ትካላቶም ዝእሸጎም ዘሎ ማሕበረሰብ ነጋዶን ዝመንቀሊኡን ኣብ መንጎ ህዝቢ  ሰበስልጣን እቲ ክልልን ዘይምርግጋእ ከምዘሎ ካብታ ከተማ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።