Saturday, December 22, 2012

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኮሚሽን ኮሚሽነር ወቅነህ ገበዮህ ምስ ኣዘዝቲ ፌደራል ፖሊስ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣኼባ ከም ዘካየደ ተሓቢሩ።

-->


ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ እናተነፀለ ብምኻዱ ስግኣት ስለዝሓደሮ ዝኾነ ኣባል ፌደራል ፖሊስ ናብ ገዝኡ ይኹን ናብ ናይ ውልቁ ስራሕ ኣብ ዝኸደሉ ግዜ ወተሃደራዊ ክዳን ከይገብር ዝብልን ካልኦት መምርሒታትን ብወርቅነህ ገበዮህ ዝወረደ እንትኸውን  ብታሕተዎት ኣባላት ፌደራል ፖሊስ ተቐባልነት ከም ዘይረኸበ ተፈሊጡ።
ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ቅድሚ ሎሚ ዘቕረብዎ ናይ ደመወዝ ወሰኽ ሕቶ ተግባራዊ ኣብ ዘይኮነሉ ወተሃደራዊ ክዳን ተከዲንኩም ንገዛኹም ኣይትኺዱ ምባል እቲ ስርዓት ኣብ ልዕሌና እምነት ስለ ዘይብሉ ድዩ ዝብል ሕቶ ብምልዓሉ ዘይምርግጋእን ምጥርጣራትን ኣልዒሉ ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
 ብተመሳሳሊ ኣብ ግድብ ኣባይ ኣብ ሓለዋ ካብ ዝተዋፈሩ ኣባላት ፌደራል ፖሊስ ማዓልታዊ  ስርሖም እናራሕርሑ ይጠፍኡ ከም ዘለው ተሓቢሩ።
ብመሰረት እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ካብ’ቶም ኣብ ግድብ ኣባይ ዝተዋፈሩ ኣባላት ፖሊስ ካብ ሓንቲ መስርዕ ክሳብ ሓሙሽተ ኣባላታ ከም ዝጠፍኡን እዚ ተግባር እዚ ንላዕለዎት ሓለፍቲ ፌደራል ፖሊስ ኣጨኒቕዎም ከም ዘሎ ተፈሊጡ።
ብተወሳኺ ነዞም በብዕለቱ ንዝጠፍኡ ዘለው ኣባላት ፌደራል ፖሊስ ዝእዝዙ ዘለው ናይቲ ዲቪዥን ሓላፊ ኮማንደር ኪሮስ ዝተባሃለን ፤ናይ ሓንቲ ሻለቃ መራሒ ኮማንደር የማነን ዝተባሃሉ ነቲ ኩነታት ከራጋግኡ ቀፃሊ ጎስጓስ እኳ እንተገበሩ እቲ ጉዳይ ክቋረፅ ከም ዘይካኣለ ተሓቢሩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ኣባይ ግድብ ዝሰርሕ ዘሎ ካምፓኒ ንቶም ኣብቲ ቦታ ዝተመደቡ ኣባላት ፈደራል ፖሊስ መዓልታዊ ዝህቦም ዝነበረ 100 ብር ኣበል ናብ ኢድ ሓለፍቲ ፌደራል ፖሊስ ብምትሕልላፉን ኣብ ማሕበራዊ ቀረብ ሽግር ከም ዘለዎምን ኣብቲ ቦታ ካብ ዝርከቡ ኣባላት ፌደራል ፖሊስ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ብተመሳሳሊ ካብ ምክልኻል ሰራዊት ብፍቓድ ብዘይፍቓድ ካብ ዝተመደብሉ ብዙሓት ወተሃደራት ከም ዝጠፍኡ ኣብ ዝሓለፈ ዜናታትና ምግላፅና ይዝከር።