Saturday, December 22, 2012

ኣብ ከተማ መቐለን ካልኦት ዞባታት ትግራይን ዝርከቡ ኣመሓደርትን ካድረታትን ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ንማሕበረሰብ ንግዲ ንዝመፅእ መረፃ ንምኽሳብ የዳናግሩ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።

ኣብ መላእ ትግራይ ንዝርከብ ማሕበረሰብ ንግዲ  ብመፅናዕቲ ዘይተሰነየ ግብሪ ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ግብሪ ንኽኸፍሉ ንዝተፈፀመ ተግባር፤ ኣማሓደርትን ሽሞኛታትን እቲ ስርዓት ነቶም ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ግብሪ ክኸፍሉ ዝተገብሩ ላዕለወት ነጋዶ ታሕተዎት  ሓለፍቲ እዮም ካብ ዓቕምኹም ንላዕሊ ክትከፍሉ ጌሮምኹም፣ ብምባል ከታልሉ ይፍትኑ ከምዘለዉ ተሓቢሩ።
ብመሰረት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፤ እቶም ልኡዃት ናይ ከባቢ ምምሕዳር ዓይደር ኣማሓዳሪ ገብረመድህን ወለኣረጋይ ነቶም ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ሓለፍቲ ንግድን ኢንዱስትሪን ዝኾኑ ኣማኑኤልን ኣልምሰገድን ዝተባሃሉ ጥራሕ ከም ዝወሰንሎም ኣምሲሉ ናብቶም ላዕለዎት ተሰማዕነት ኣለዎም ዝባሃሉ  ነጋዶ ስልኪ እናደወሉ ፀገም እንተሃልኩም ወይ እተቕርብዎ ጥርዓን እንተሎ እናመፃኹም ብፅሑፍ ኣቕርቡ እናበሉ ይዛረብዎም ከም ዘለዉ ኣረዲኡ።
ብተወሳኺ እቲ ምስ ነጋዶ ዝግበር ዘሎ ስልኪ እናደወልካ ፀገም እንተሎኩም ብፅሑፍ ኣቕርቡ እናተበሃለ ናብ ነጋዶ ዝግበር ዘሎ ዓጀዉ ጀዉ ቀንዲ ምኽንያት ነቲ ኣብ  ወርሒ ሚያዝያ 2005 ዓ.ም ኣብ ዝካየድ ምስሉይ ምርጫ፤ ሓይሊ ሰብ ብምሓዝ ዕድመ ስልጣን ህወሓት ንምንዋሕ ዝኽተልዎ ዘለዉ ሽርሒ ምዃኑ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣገንዚቡ።