Saturday, December 22, 2012

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ኣብ ከተማ ፍኖተ ሰላምን ከባቢኣን ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ንምስሉይ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣይትኣምኑሉን እናተባሃሉ ካብ ስርሖም ይባረሩ ከም ዘለው ተሓቢሩ።

-->


ስርዓት ወያነ ኢህወደግ ድሕሪ ሞት መለስ ዜናዊ ብኢህወደግ ቀዳማይ ሚብስተር ተባሂሉ ዝተመደበ ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣይትኣምኑሉን እናተባሃሉ፤ ዝባረሩ ዘለው ሰራሕተኛታት መንግስቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ካብ ዝነበሮም ስራሕን ሓላፍነትን ካብ ዝተባረሩ ዜጋታት፣-
Ø ኣቶ መለስ ኣማሓዳሪ ወረዳ ዝነበሩ
Ø ዓብደላ ሓላፊ ንግድን ኢንድስትሪን ወረዳ ዝነበሩ
Ø ኣስጨንቅ ከበደ ከንቲባ ከተማ ዝነበረ
Ø ሰሙ ንጉሴ ሓላፊ ፀጥታን ዝርከብዎም ብርክት  ሓላፍነቶምን  ካብ ስርሖምን  ብምብራር ብዝኣምኖም ካድረታቱ ንምትኽካእን ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕን ዝገብሮ ዘሎ ዘይሓለፍነታዊ  ስጉምቲ’ከምዝኾነ ተሓቢሩ።