Friday, December 14, 2012

ኣብዚ ቅንያት ዝተመረቑ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ዓዲ-ግራት ስነ-ስርዓት ዝተኸተለ ከም ዘይነበረ ተሓቢሩ፣

-->



ዓዲ-ግራት ዩኒቨርሲቲ ተምሃሮ ተቐቢሉ ብዝተፈላለየ ናይ ትምህርቲ ዓይነት ምምሃር ካብ ዝጅምር ሒደት ዓመታት ዘቑፀረ እንትኾን። ስርዓት ወያነ ኢ.ህ.ወ.ዴ.ግ ኣብቲ ከባቢ ብዘይ ናይ ሕብረተሰብ ሙስሊም ፈቓድ መቓብር ምፍራሱ እቶም ተምሃሮ ተቓዉሞ ከየልዕሉ ብምስግኡ ምኳኑ ማሕበረሰብ እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣረዲኦም፣
ብመሰረት እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣብቲ ተምሃሮን መረቕቲ ሰበ ስልጣንን ወያነ ኢ.ህ.ወ.ዴ.ግ ብፍላይ ከኣ ነቲ ስርዓት ብላዕለዋይነት መሪሑ ዝተረኸበ ምስሉይ ቀዳማይ ሚኒስተር ደመቀ መኾነን ከም ዝነበረ ተፈሊጡ፣
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሰበ ስልጣን ወያነ ኢ.ህ.ወ.ዴ.ግ ዓይኒ ህዝቢ ኣእጋሮምን ልሳኖምን ፀሚዱ ይሕዞም ብምህላዉ። ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ተነፂሎም ኣብ ስግኣትን ፍርሕን ዝወደቑ ምዃኖም ዘረድእ እዩ ክብሉ ሓደ ሓደ ወገናት ካብ ከተማ ዓዲ-ግራት ኣረዲኦም፣