Friday, December 14, 2012

መጋበርያ ዉልቐ-መለኽቲ ዝኾነ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ የመን ከም ዝኣተወ ካብ ምክልካል ሰራዊት ዝለሓዀ ሓበሬታ የረድእ፣


ሰበ ስልጣን ወያነ ኢ.ህ.ወ.ዴ.ግ ደቂ ህዝቢ መንእሰያት ብዝተፋላለየ ሞያዊ ስልጣና ክትወስዱ ኢኹም ብዝብል መታለሊ ጎስጓስ ናብ ዉትህድርና ክኣትዉ ብምግባር ብሽም ዓቓቢ ሰላምን ኣሸበርቲ ንምዉቃዕን ብምባል። ኣብ ዘይምልከቶም ኲናት ሶማልያን ዳርፎርን ዝዳጎኖም ከይኣክል ዉቂያኖስ ኣቋሪፆም ናብ የመን ከም ዝላኣኽዎም ተፈሊጡ፣
ኣብ ዘመነ ስልጣን መለስ-ዜናዊ ኣብ ሶማሊያ ኣብ ዘይምልከቶ ኲናት ሓያላት መንግስታት ንምሕጓስ ክበሃል። ብዓሰርተታት ኣሽሓት መናእሰይ ኢትዮጵያ ተቀቲሎምን ገሊኦም ኣብ ፅርግያ ዓስከርየኖም ተጎቲቱ ብእምኒ ዝተጀፊዑን እንትኾኑ። ሎሚ ከኣ ብሃይለማርያም ደሳለኝ ደቂ ህዝቢ መንእሰያት ኢትዮጵያ ናብ የመን ምእታዎም ዘሐዝን ተግባር ምዃኑ። ንጉድሳት ወገናት ኣባላት ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ የዘራርብ ከም ዘሎ እቲ ዝተረከበ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ንብዙሕ ዓመታት ዘገልገሉ መኾነናትን ካልኦት ኣባላትን ኣብ ውሽጢ እቲ ምክልኻል ሰራዊት ብዘሎ ዘይምትእምማን ካብ መበል 19 ክፍለ ሰራዊት ብርክት ዝብሉ ወተሃደራት ይባረሩ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ፣
ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ካብቶም ዝተባረሩ ኣባላት ምክልኻል ሰራዊት።
1. ብሽም ዓቓቢ ሰላም ናብ ዳርፎር ከይዱ ዝነበረ ወዲ ጎዖይ
2. ሻለቃ በርሀ ታፈሪ /በርሀ ጅግና ብዝብል ሳጋ ዝፍለጥ/
3. ሻለቃ ገሰሰ ግደይ
4. ሻምበል ኣበበ
5. መሓመድ ኻልድ
6. ተስፋይን
7.በርሀ ሃፍቱን ዝበሃሉ እንትኾኑ እቲ ምብራር ቀፃሊ ከም ዝኸዉን ካብቲ ክፍለ ሰራዊት ዝላሓዄ ሓበሬታ የረድእ፣