Monday, December 10, 2012

ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ወረዳ ኣለማጣ ቀበሌ ዋጅን ከባቢ ኩኩፍቱ ዝነብሩ ሕብረትሰብ እስልምና ብኣባላት ፀጥታ ወያነ ኢህወዴግ ይበሳበሱ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ፣

-->


ብመሰረት ዝተረኸበ ሓበሬታ 20 ሕዳር 2005 ዓ.ም ነበርቲ ቀበሌ ዋጅን ከባቢ ኩኩፍቱ ንፈጣሪኦም ብመንዙማ የመስግኑ ኣብ ዝነበርሉ ግዜ ናይ ወረዳ ኣለማጣ ሓለፍቲ ድህንነት፤ ኣባላቶምን  ፌዴራል ፖሊስን ብምትሕብባር ናይ ኣሸበርቲ መዝሙር /መንዙማ/ ትሰምዑ ኔርኩም ብምባል ብርክት ዝበሉ ንፁሃት ወገናት ኣመንቲ እስልምና ሃይማኖት ከም ዝኣሰሩ ተፈሊጡ፣
ብኣባላት ፀጥታን ፌዴራል ፖሊስን ኣብ ከተማ ኣለማጣ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሮም ከብ ዝርከቡ ወገናት።-
1.      መምህር ሓቢብ ዴሪሳ
2.       “   እድሪስ ለገሰ
3.       “    ከድር ኣደም
4.      ኣቶ ኣብደልዓዚዝ መሓመድ ስራጅ
5.       “   ሙራድ መሓመድ ያሲን
6.       “  መብራህቱ ኢብራሂም
7.       “   መስዑድ ቡግሳ ተፈሪ
8.          ብዓብዱ ደረሳ ዝብል ሳጓ ዝፍለጥ
9.       “    ኣሚር ሽኽ ኣህመድ
10.     ሽኽ ስራጅ ኩቢ ዓሊ
11.     ሽኽ ዓብዱ መናን ዝተበሃሉ እዮም
ብተወሳኺ ነቶም ተኣሲሮም ዝርከቡ ወገናት  ፀሎት ንኽገብሩ ማይ ንከይዋሃቦምከም ዝተኸልከሉን   ኣብ ርእሶም ዝነበረ ዕማን በቶም ዕሱባት ኣባላት ድህንነትን ፌዴራል ፖሊስን ከም ዝተሓደጉን እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ፣
እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፣  ማሕበረሰብ እስልምና ነበርቲ ዋጅን ከባቢ ኩኩፍቱን ኣብ ልዕሌና ከም’ዚ ዝበለ ግፍዒ እናትፈፀመ ስቕ ኢልና ኣይንርእን ንሃይማኖትና ክንስየፍ ኢና ክብሉ ምግላፆም ተሓቢሩ፣
ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ ንፁሃት ወገናት ብናይ ሓሶት ክሲ እናጠቀንካ ምእሳርን ናብ ምስሉይ ቤት ፍርዲ ምቕራብን ልሙድ ተግባር ብምዃኑ ነቶም ኣሲርዎም ዘሎ ወገናት‘ዉን ብግብረ ሽበራ ከሲሱ ኣብ’ዚ ሕዝናዮ ዘለና ወርሒ ታሕሳስ ናብ ቤት ፍርዲ ከቕርቦም ምዃኑ ተፈሊጡ፣