Thursday, January 3, 2013

ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ቀበሌ ሽብቁማ ኣቶ መልሰዉ ኣበራ ዝተበሃለ ንፁህ ዜጋ ብ10 /ታሕሳስ /2005 ዓ.ም ብኣባላት ፖሊስን ሚሊሻን ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ ብጥይት ተወቕዑ ከም ዝሞተ ተሓቢሩ።

ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ኣብ ህዝቢ ዘለዎ ተቐባልነት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ባይታ ብምዝባጡን ተቓወምቲ ዉድባት ምጥንኻሮምን ስግኣት ስለ ዝፈጠረሉ፤ ኣለኹ ንምባል ንህዝቢ ብሓይሊ ብረት ኣብ ትሕትይኡ ንምብርካኽ ዝገብሮ ዘሎ ዓቕሊ ፅበት ዝወለዶ እከይ ተግባር እዩ ክብሉ ገለ ወገናት ኣረድኦም።

ብመሰረት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣቶ መልሰዉ ኣበራ ብ10 ታሕሳስ 2005 ዓ.ም ቀትሪ ሰዓት 8፣00 ተቐቲሉ። ብ11 ታሕሳስ 2005 ዓ.ም ከዓ ስነ ስርዓት ቀብሩ ዝተኸየደ እንትኾን፤ ቀተልቱ ኮንስታብል ገብረኪዳን ይገርሙን ሚሊሻ መዝገቡ ባየን እንትኾኑ ክሳብ ሎሚ ብሕጊ ክሕተቱ ብዘይምኽኣሎም ነበርቲ ቀበሌ ሽብቁማ ሕግን ስርዓትን ኣብ ዘይብሉ ስርዓት ብሰላም ወፍሪና ብሰላም ክንምለስ እንሰግኣሉ ግዜ መፂኡና ብምባል ኣብ ዓብዪ ስግኣት ወዲቖም ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ዝሓለፈ ዜናታትና ኣቶ ይሁን ደበላሽ ብሓይልታት ግፍዐኛ ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ብጥይት ተወቕዑ ንሕልፈት ዝበቐዐ ዜጋ ኣሸባሪ ብዝብል ናይ ሓሶት ጠቐነ ምዃኑ ምግላፅና ይዝከር።