Thursday, January 3, 2013

ኣብ ዞባ ኣዊን ከተማ ፎኖተ ሰላምን ዝርከቡ ወነንቲ ተሸከርከርቲ ንኢ-ፍታሓዊ ዉሳነ ኣከፋፍላ ግብሪ ብምቅዋም፣ ስራሕ ደዉ ብምባል ተቓዉሞ የካይዱ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።

ኣብ ስልጣን ዝርከብ ስርዓት ወያነ ኣብ ልዕሊ ንግዳዊ ንጥፈታት ዝተዋፈሩ ዜጋታት ፍትሓዊ ዘይኮነ ግብሪ ኣከፋፍላ ብምዉሳኑ፤ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ኣዊን ከተማ ፎኖተ ሰላምን ዝርከቡ ወነንቲን መራሕቲን መካይን፤ ካብ 22 ታሕሳስ 2005 ዓ.ም ጀሚሮም ኩሉ ስርሖም ድዉ ኣቢሎም ዘካየድዎ ዘለው ተቓዉሞ ተኸቲሉ ኣብ’ቲ ከባቢ ሕፅረት መጓዓዝያ ኣጋጢሙ ከም ዘሎ ተሓቢሩ።

ብመሰረት ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣባላት ፌዴራል ፖሊስ እተን ከባብታት፤ ካብ ድሌት ወፃኢ ንወነንቲ መካይን ብኣስገዳድ ካብን ናብን  የዋፍርዎም ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።