Thursday, January 3, 2013

ህዝቢ ከተማታት ሽረ-እንዳስላሰ፤ ስለኽለኻን እናዳባጉናን ብ21 ታሕሳስ 2005 ዓ.ም ኣብ ዝጀምረ ገምጋም ፖሊስ ነባሪ ህዝቢ እተን ከተማታት ካባኹም ንፅበዮ ተሳፋ የብልናን ክብል መረረቱ ከም ዝገለፀ ተፈሊጡ።

ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ኣባላት ፖሊስ፣ ኣብ ክንዲ ንህዝቢ ዝጣበቑ ንሰበ ስልጣንን ገንዘብ ዘለወዎምን ዝጣብቑን ዝሕልዉን ብምዃኖም ህዝባዊ ፖሊስ እንተይኮኑስ፣ ሓላፍነቶም ዘይፈልጡ  ጉበኛታትን ኣዳለውትን መገልገልቲ ሓደ ዉድብን ዉልቀ ሰባትን ምባል ይቐሊል ክብሉ ነበርቲ ሰለስተኤን ከተማታት ምዝራቦም ተገሊፁ፣

እዚ  ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብደረጃ ክልል ትግራይ ሓለፍቲ ፖሊስ ካብ 21 ታሕሳስ 2005 ዓ.ም ጀሚሮም ኣብ በብዞብኦም ገምጋም 6 ወርሒ  የካይዱ ከም ዘለዉ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።