Thursday, January 3, 2013

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሸራሮ ዝርከቡ ነጋዶ ትካሎም እናተዓሸገ፣ ንግዲ ፍቓዶም የርክቡ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር 2005 ዓ,ም ነጋዶን ኣከፋፍላ ግብሪን ዝምልከት፤ ኣብ ከተማ ሸራሮ ዝተኻየደ ኣኼባ ዝተወሰነሉ ግብሪ እንተዘይከፊሉ ንግዱ ትካል ተዓሽጉ ናይ ንግዲ ፍቓዱ ክሕደግ ምዃኑ ብዘመሓላለፎ ዘይሓላፍነታዊ መጠንቀቕታ ተኸቲሉ፤ ነቲ እከይ ዉሳኒኦም ከተግብርዎ ምጅማሮም መርኣያ ዉድቀቶም ዘመልክት ምዃኑ የረድእ።

ብመሰረት ዝተረኸበ ሓበሬታ፣ ብወዲ ሴሮ ዝፍለጥ ወናኒ ትካል ንግዲ መሳርሒ ህንፃ መሸጥን መካፋፈሊን 1.3 ሚልዮን ብር፤ ኣቶ ኣስማረ ኣረጋይ ወናኒ ትካል ንግዲ መሳርሒ ህንፃ መሸጢ 500 ሽሕ ብር ከምኡ እዉን ገብራይ ዝተበሃለ ነጋዳይ 260 ሽሕ ብር ክኽፍልዎ ዝተወሰነሎም ግብሪ ክኸፍሉ ብዘይምኽኣሎም፤ ንግዲ ፍቓዶም ኣርኪቦም ትካሎም ከም ዝተዓሸገ ተፈሊጡ።