Wednesday, January 2, 2013

ኣብ ከተማ ሸራሮ ሙሴ ኣደራሽ ብ21 ታሕሳስ 2005 ዓ.ም ብጥላሁን በርሀ ዝተመርሐ ህዝባዊ ኣኼባ ብዘይ ፍረ ከም ዝተበተነ ተፈሊጡ።


ብመሰረት ዝተረኸበ ሓበሬታ፤ ብጥላሁን በርሀ ዝተፋላለዩ ኣጅንዳታት እንተቐረበ ብህዝቢ ከተማ ሸራሮ ግና ፀገም ሕፅረት ማይ ንምቅላል ተባሂሉ ዝተመደበ ገንዘብ፤ ናበይ ኣትዩ ቀዳምነት ነዚ መልሲ ክወሃብ ኣለዎ ብዝብል ንካድረ ወያነ ጥላሁን በርሀ ብሕቶ ከም ዘዋጠሮ ተሓቢሩ።
ህዝቢ ከተማ ሸራሮ ኣጋጢምዎ ንዘሎ ሕፅረት ፅሩይ ዝስተ ማይ ብዝግባእ ዕለታዊ መነባብርኡ ክመርሕ፣ እቲ ስርዓት ትኹረት ብዘይምሃቡ ብሓንቲ ቦጥ መኪና ዝመፀ ማይ ንሙሉእ ንህዝቢ እታ ከተማ ብጀረካን ማይ ምምቓል ኣግባብነት ዘይብሉን  ዘይባፃሕን ፍትሓዊ ዘይምዃኑ መርኣያ ግዕዙይ ምሕደራ ስርዓት ወያነ  ዘብርህ እዩ ክብሉ ገለ ገለ ነበርቲ የረድኡ።
ብተወሳኺ እቲ ንመኹዓቲ ጉድጓድ ማይ ተባሂሉ ዝተመደበ ገንዘብ ኣበይ  ከም ዝኣተወ  ከይተፈለጠ፤ መንግስቲ ብሕፅረት ማይ እናቐፀዐና እናሃለወ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ፍትሓዊ ብዘይኮነ ኣከፋፍላ ግብሪ ንብደል ኣለና ክብሉ፤ ኣብቲ ኣዳራሽ ሙሴ ዝተኻየደ ኣኼባ ዝመፀ ይምፃእ ብምባል መረርቶም ብሓደ ድምፂ ከም ዝገለፁ ተሓቢሩ።
ብተመሳሳሊ 8 ሕዳር 2005 ዓ/ም ኣብቲ ብጥላሁን በርሀ ብዛዕባ ግብሪ ኣመልኪቱ ኣብ ከተማ ሸራሮ ዝተኻየደ ኣኼባን ኣግባብነትን ዘየብሉ ኣከፋፍላ ግብሪ ማሕበረሰብ ግብሪ ከተማ ሸራሮ ፈፂሙ ከምዘይቕበሎ፣ ናይዚ ምኽንያት ከዓ ኣብ መላእ ሃገርና ተስፋሕፊሑ ዝረአ ዘሎ ክብሪ ዕዳጋን ስእነት ቀረብን ኣብታ ወርዳ’ውን ብሰፊሑ ኣጋጢሙ ኣብ ዘለሉ ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ግብሪ ንምኽፋል ፍቓደኛታት ኣይኮናን ምባሎም ይዝከር።