Wednesday, January 2, 2013

ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ኣብ ወረዳ ፓዊ ዝነብሩ ናይ ቀጠና ሓደ ነበርቲ ብሰበስልጣን ወያነ-ኢህወዴግ ካብ መንበሪኦም ብሓይሊ ይፈናቐሉ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ።

ኣብ ወረዳ ፓዊ ቀጠና ሓደ ኣብ መንደራት 3,4,5,7,9ን 26ን ዝርከቡ ወገናት ብዘይ ምንም ቅድመ ምድላውን ምምኻርን፣ ንልምዓት ሽኮር ደሊና ብዝብል ምኽንያት፤ ካብ 15 ሕዳር 2005 ዓ.ም ጀሚሩ ብፌደራል ፖሊስ ወያነ ኢ.ህ.ወ.ዴ.ግ እናተገፍዑ መረበቶም ክለቁ ይግበር ከም ዘሎ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ካብ ዞባ ኣዊ ወረዳ ጃዊን ወረዳ ፓዊ ዘራኽብ ኣብ ሩባ በለስ ዝርከብ ድልድል፤ ካብ 10 ታሕሳስ 2005 ዓ.ም ጀሚሩ ብምፍራሱ ህዝቢ ክልቲኡ ወረዳታት ካብን ናብን ተንቀሳቒሱ ዕለታዊ መነባብርኡ ብዘይ ስግኣት ክመርሕ  ምእንታን ክሳብ 20 ታሕሳስ 2005 ዓ.ም ብተደጋጋሚ ንዝምልከቶም ሰበስልጣን እተን ወረዳታት እኳ እንተመልከቱ ኣወንታዊ መልሲ ክረኽቡ ከም ዘይከኣሉ ተፈሊጡ።