Wednesday, January 2, 2013

ካብ ክልል ትግራይ ዝመፁ ልኡዃት ኣብ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ከተማ ዓዲ ሃገራይ ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ፤ ህዝቢ ንዓና እንተይኮንኩምስ ገንዘብና ክትወሩ ኢኹም ትመፁና ብምባል መረረቱ ከም ዝገለፀሎም ተሓቢሩ።

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ነባሪ ህዝቢ ከተማ ዓዲ ሃገራይ ኣብ ዛዕባ ኢ-ፍትሓዊ ኣከፋፍላ ግብሪ ኣመልኪቱ ዘስምዖ ዘሎ መረረት፤ ንዕኡ ንምርግጋዕ ኢሎም ሰበ ስልጣን ክልል ትግራይ ብ21 ታሕሳስ 2005 ዓ.ም ነቲ ህዝቢ ኣኪቦም ብዛዕባ ዘምፅኦም ኣጀንድኦም እኳ ክዝርዝሩ እንተፈተኑ፤ ህዝቢ እታ ከተማ ተቓዉምኡ ከም ዘስምዐ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ብተወሳኺ ሰበስልጣንን ካድረታትን ስርዓት ወያነ፤ ንዝሓለፈ 21 ዓመታት ቁሊሕ ዘይበልዎ ተቓላሳይ ህዝቢ ከተማ ዓዲ ሃገራይ ሕዚ መረረቱ ሰሚዖም ነቲ ዘይተማለአ ካብ ዝስተ ፅሩይ ማይ ጀሚሩ ካልኦት መሰረተ ልምዓት ክነማልኦ ኢና ዝብል ዘይትግበር መብፅዓ ክኣትዉሉ እኳ እንተመደሩ፤ ብወገን እቲ ህዝቢ ግና ኣወንታዊ መልሲ ካብኹም ኣይንፅበን ብምባል ዘየማትእ መልሲ ከም ዝሃብዎም ተፈሊጡ።
ብመሰረት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፤ መረረቱ ጫፍ ዝዓረገ ህዝቢ ከተማ ዓዲ ሃገራይ ንስኹም ገንዘብና እምበር ብዛዕባ ህዝቢ ዘይትግደሱ ብምዃንኩም ተዓዛዝብና ኢና ዝበለ ህዝቢ፤ ብወገና ፀግዕና ፈሊና ለዉጢ ንምምፃእ ምስ ዴምህት ኮይና ክንቃልስ ኢና እንትብሉ፤ ብወገን እቶም ሰብስልጣንን ካደረታትን ክልል ትግራይ ድማ ህዝቢ ዓዲ ሃገራይ ምስ ዴምህት ኮይና ክንቃለስ ወድእና ይብል ኣሎ ኢልና ክንዛረበልኩም ኢና ክብሉ። ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ንዕቐት ዝተመልኦ መልሲ ከም ዝሃቡ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
ብተመሳሳሊ ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ ህዝቢ ከተማ ዓድዋ ነቲ ብስርዓት ወያነ ተወሲኑ ዘሎ ቅጥዒ ዝሰኣነ ኣከፋፊላ ግብሪ ኣይንቕበሎን ብምባል ንተቓዉሞ ብምዉፅኡ። ነቲ ኩነታት ንምርግጋዕ ምስሉይ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ናብታ ከተማ መፂኡ ከም ዝነበረ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣