Friday, April 19, 2013

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ወያነ እትሳቐ ዘላ ጋዜጠኛ ርእዩት ኣለሙ ናይ’ዚ ዓመት ዓለም ለኸ ናይ ዩኒስኮ ጉሌርሞ ካኖ ናይ ፕሬስ ነፃነት ተዓዋቲት ኮይና ተሻሊማ፣

ጋዜጠኛ ርእዮት ናይ ፕሬስ ጅግና ተባሂላ ነዚ ክቡር ዝኾነ ዓለም ለኻዊ ሽልማት ክትሽለም ዝኸኣለት ንነፃነትን መሰልን ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝተቓለስትን ኣብ’ቲ ዘስካሕክሕ ናይ ወያነ ኢህወዴግ ቤት ማእሰርቲ ከይዓጀባ ህዝባዊ መርገፂ ሒዛ። ነቲ ቃልሲ ክሳብ ዕለተ መስዋእታ ክትቅፅሎ ምዃና  ብዝሃበቶ ተሪር መርገፂ ምዃኑ ተፈሊጡ፣
    እቲ ትካል ወሲኹ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ብዝወረዳ ግፍዕታት  ብኸቢድ ሕማም ትሳቐ እኳ እንተላ። ነቲ ስቓይ ተፃዊራ ብደረጃ ዓለም  ንነፃነት ካብ ዝቃለሳ ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ ሓንቲ ብምዃና። ሓበን ዝተሰመዓ ምዃኑ ድሕሪ ምግላፅ። ቅድም ክብል እንተኾነ’ውን  ብተመሳሳሊ ተቓላሲት ፍትሒ ተባሂላ ብትካል ዓለም ለኸ ፋውንደሽን ውሜንስ ተዓዋቲት ኮይና ምሽላማ ይዝከር፣